https://tenders.milkta.com/ti/display/8564

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክ/ትግራይ ነዞም ትሕት ኢሎም ብሎት ተጠቂሶም ዘለዉ ንብረታት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ 1 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 2 ናይ ሕትመት መሳርሒ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 13, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መስከረም 27, 2012 3:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መስከረም 27, 2012 4:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቕርብ ፣ ናይ ግበሪ ከፈላይነት መለለይ ቁፅሪ ቲን መረዳእታ ከምኡ ዉን ዝተሓደሰ መቕረባይነት ከቕርቡ ዝክእሉ

2 ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት ንናይ ሓምለ ሓምለ 2011ዓ/ም ቫት ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቕርቡ ዝክአሉ

3 መኸበሪ ጨረታ ብር 10000 ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ 2000 ንናይ ሕትመት ስራሕቲ ብመልክዕ ሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ

4 እቲ ጨረታ ካብ 10/01/2012 ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ 27/01/2012 ቅድሚ ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4፡00 ይክፈት

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 44 40 47 15 ደዊሎም ምሕታት ይክእሉ