https://tenders.milkta.com/ti/display/5562

ኮሚሽን ስነ ምግባር ፀረ ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ንበጀት ዓመት 2011 መለዋወጢ/ ስፔር ፓርት/ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 13, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ታሕሳስ 26, 2011 8:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ታሕሳስ 27, 2011 9:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/

1 ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ::

2 ኣብ ቢሮ ፋይ/ ኢኮ /ልምዓት ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

3 ቫት(VAT) ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

4 ቲን ቁፅሪ ዘለዎን ኣብ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

5 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ  2011 ዓም ዲክለረሽን ከቅርብ ዝክእል::

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንኩሎም ዓይነት ንብረት ቢድ ቦንድ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝኽእል::

7 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩመንት ካብ ኮሚሽን ቢሮ ቑፅሪ 261 ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረት ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ካብ ዕለት 12//2011 ክሳብ 26/4/2011 ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ግን ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዕለት 26/4/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ቐትሪ ዝዕፆ ይኸዉን::

8 ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 26/4/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ/ቐትሪ ይኽዉን::

9 ኹሉ ጨረታ ተወዳዳራይ ኣብቲ ዝተነፀረ ግዜ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

10 ጨረታ ብሸምዒ ዝተአሸገ ናይ ሕድሕድ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር የቅምጥ::

11 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስርሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::

12 ሰዓረይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሚሽንና ቢሮ ቁፅሪ 261 ዕፋምምርንብረትን ብዉዕል መሰረት ኸቕርብ ዝኽእል::

13 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኾኑ ንቐፃሊ ኣብ ዕዳጋ መንግስቲ ንከይሳተፍ ከምዝግበርን ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ከምዝዉረስን::

14 እቲ ኮሚሽን ዝሐሻ መማረፂ ተረኺቡ ብክፋል ይኹን በሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዘ መሰሉ ሕልዉ ምኻኑ

15 ድሕሪ ምዕፃዉ ጨረታ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቐባልነት ከምዘይንሉ::

16 አብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ንዘይኾኑ ሐሳባት ብመብራህርሁ ብፅሑፍ ምሕታት ከምዝከአል::

17 ንተወሳኪ ሐበሬታ አበ ኮሚሽና ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ናይ ሓባር ህንፃ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቐፅሪ 261 ብኣካል ብምምፃእ ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344 404417 ምሕታት ይካኣል::