https://tenders.milkta.com/ti/display/5413

ን3ይ ግዜ ዝወፀ ማሕበር ኣክስዩን ማይክሮ ፋይናንስ አደዳይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ቋሚ ንብረት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 3, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ታሕሳስ 8, 2011 6:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ታሕሳስ 9, 2011 9:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ሕጋዊ ፈቃድ ዘለኩምን ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ከፊልኩም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም

2 Tin Number ተመዝገብቲ ዝኮኑ

3 ብዝወፀ ዝርዝር /ስፔስፊኬሽን/ መሰረት ክተቕርቡ ትክእሉ

4 ሰዓራይን ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል

5 ጨረታ ሰነድ ብር 30.00 /ሰላሳ ብር/ ከፊሉ ክዕድግ ዝክእል

6 ጨረታ መክበሪ 2% ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ንዝክእል ንዝስዓሮ ንብረት 5% ዉዕሊ መክበረ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 11/12/2018 ኣ.ፈ(02/04/2011 ዓ/ም) ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዩ ትግራይ ሳልሳይ ደብሪ ምዉሳድ ዝክእል፤

9 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 17/12/2018 ኣ.ፈ (08/04/2011 ዓ/ም) ሰዓት 6:00 ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 17/12/2018 ኣ.ፈ (08/04/2011 ዓ/ም) ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

10 ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ተጫረቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክላርስዮን ክተቕርቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ነፍልጥ።

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።