https://tenders.milkta.com/ti/display/4566

መቐለ ማእከል ቤት ህንፀት ንህንፃ መሳርሒ ዝዉዕል ቆርቆሮን ሰራሚክን ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 15, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 28, 2010 3:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 28, 2010 4:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/

1. በቢ ስራሕ ዘርፊ ናይ 2010 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ መቐረባነት ደፍተርን ቲንን ዝተሐደሰ ዘለዎ ፎቶ ኮፒ ኦርጅናልን ነንበይኑ ብፖስታ ተዓሺጉ ዘቅርብÂ

2. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ መጋቢት 2010 ዓ/ም ዲክላራሲዩን ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

3. ተወዳደርቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክብሪ ጨረታ ንህንፃ መሳርሕን ሐሸዋ ጥራሕ 5,000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፕኦ ከትሕዙÂ አለዎም::

4. እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዝይብሉ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ማህተምን ፌርማን ተገይሩ ብፖስታ ተዓሺጉ ኦርጅናል ምስ ኮፒ ነንበይኑ ፖስታ ብምግባር ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ንዝተዳለወ ሳፁን ናብ ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ

5. ተጫራቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ፅለት 14/ 9/2010 ዓም ክሳብ 28/09/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ዘይምለስ ብር 30 ቅርሺ እናኸፈሉ ካብ መቤትና ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 6 ክወስዱ ይኽእሉ

6. እቲÂ ጨረታ ዕለት 28/9/2010ዓ/ም 3:30 ቅ/ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅ/ቀትሪ ተወዳደረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን አብ ዘይተረከብሉ ይክፈት::

7. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእÂ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8. ንዝበለፀ ተወሳኪ ሓበሬታ ብአካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344411454 ምሕታት ይካአል::