https://tenders.milkta.com/ti/display/20923

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ናይ መኪና ጎማ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ [ን2 ግዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ]

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 15, 2019 (4 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 18, 2019 8:30 ቅ/ሰዓት (ተዓፅዩ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 19, 2019 9:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ን2 ግዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባዕሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ MMI ብዝተረኸበ ሓገዝ

1. ናይ መኪና ጎማ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ነጋዶ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 24 /11 /2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 27 /11/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና መፂኹም ክትወስዱ ትኸእሉ።

2. ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 27 /11/ 2026 ስዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 20 /11/ 2026 ስዓት 9:00 ድሕሪ ስዓት ይኸዉን

መብርሂ፤

➢ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኸእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ