https://tenders.milkta.com/ti/display/20871

ፋብሪካና ሜላዛል ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ንፋብሪካና ግልጋሎት ዝውዕል ዘይቲ ሒዙ ዝመፀ 1000 ሊትር ክሕዝ ዝኸእል ፕላስቲክ ታንከር ምስ ደጋፊ ሓፂኑ ብዝሒ ከባቢ 110 ዝኽውን በጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 7, 2019 (6 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 12, 2019 11:00 ቅ/ሰዓት (ተዓፅዩ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 12, 2019 3:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ምልክታ ጨረታ

ዋኒኑ፤ ናይ ዘይቲ ፕላስቲክ ታንከር ምሻጥ ይምልከት

ፋብሪካና ሜላዛል ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ (አብ ከባቢ መ ሰቦ ዝርከብ) አብ ምምራት ትራንስፎርመርን ተዛመድቲ ናይ ኤሌክትሪክ ስራሕትን ዝነጥፍ ኮይኑ ንፋብሪካና ግልጋሎት ዝውዕል ዘይቲ ሒዙ ዝመፀ 1000 ሊትር ክሕዝ ዝኸእል ፕላስቲክ ታንከር ምስ ደጋፊ ሓፂኑ ብዝሒ ከባቢ 110 ዝኽውን በጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ነዚ ዝተጠቐሰ ንብረት ክትገዝኡ ድሌት ዘለኩም ኣካላት እቲ ንብረት ብአካል ብምርኣይ ናይ መግዚኢ ዋጋ አብ ፖስታ ብምዕሻግ እዚ ምልክታ ካብ ዕለት 07/03/2019 እስካብ 11/03/2019 አ/ም አብ ዘለው 5 ተኽታታሊ ናይ ስራሕ መዓልትታት ከተቕርቡ እናፍለጥና፡ እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኩን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ ኣድራሻን ሜላዛል ማኒፋክቸሪንግ መሰቦ ሲሚንቶ ፋብሪካ ከይበፃሕኻ ጥቓ ፍራሽ ፋብሪካ ቶራ ገቢ ውሽጢ ዝርከብ

➢ ወይከዓ አብርሃ ካስትል ከባቢ አዋሽግራንድ ጥቓ ቡና ባንኪ ፊትንፊት ቶራ ሆልዲንግ ቢሮ

➢ ንፅበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ

- 0964-04-40-41 /0939-202609 ምድዋል ይከአል፡፡