https://tenders.milkta.com/ti/display/20833

ማሕበር ኣክስዮን ሜታኖያ ኣካዳሚ ናይ 2018 ዓ/ም በጀት 'መት ክሳብ ሰነ 30/2018 ዓ/ም ብናይ ደገ ኦዲተር ኦዲት ክነግብር ስለ ዝደለና [ምልክታ ን2ይ ግዜ ዝወፀ ጨረታ ]

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 24, 2019 (7 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጥቅምቲ 30, 2019 3:00 ቅ/ሰዓት (ተዓፅዩ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 1, 2019 3:35 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኣካውንቲን ተዛማድኡን/ ኦዲት ተዛማድኡን/

ምልክታ ን2ይ ግዜ ዝወፀ ጨረታ

ማሕበር ኣክስዮን ሜታኖያ ኣካዳሚ ናይ 2018 ዓ/ም በጀት 'መት ክሳብ ሰነ 30/2018 ዓ/ም ብናይ ደገ ኦዲተር ኦዲት ክነግብር ስለ ዝደለና ተፃረተ ንዕድም

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቓሒ

1. ሕጋዊ ናይ ኦዲተርነት ብደረጃ ሓደ ፍቓድ ዘለዎም

2. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን

3. ኣብ ማሕበራት ኦዲት ጌሩ ዝፈልጥ ተኾይኑ መረጋገፂ ድጋፍ ኮፒ ኣተሓሒ ዘቕርብ

4. ጨረታ ፃዊዒት ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 24/02/2019 ዓ/ም ክሳብ 30/02/2019 ዓ/ም

5. ሕጋዊ ተጫረቲ ክጫረቱ ዝደልዩ ናብ ቢሮ እናመፁ ዘይምለስ ብር 500(ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር)እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ እናወሰዱ ክጫረቱ ይኽእሉ እዩም።

6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ምስ ዘይምለስ ኮፒ ብፖስታ ተዓሺጉ ዕለት 30/02/2019 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይቲ ዝሓዝኩምዎ ጨረታ ብኣካል ብምምፃእ ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሜታኖያ ኣካዳሚ ተጫረቲ ኣብ ዝርከብሉ ተኸፊቱ ሰዓራይ መን ምኻኑ ይፍለጥ ሰዓራይ ካብ ዝሰዓረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 2ተ ሰሙን ኦዲት ገይሩ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ የቅርብ። 7. ማሕበር ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻ መቐለ 18 ቀበሌ ጥቃ መስከረም ሆስፒታል ንርከብ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0974666111 ወይ 0974888111 ምድዋል ይክእሉ እዩም።