
ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ( Electronics Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኸአለ ምኻንኹም ንሕብር።
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬት፣ ቲን ቁፅሪን፣ ንግዲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ክተቕርቡ ትክእሉ ሓዱሽ ቅብሊት ብሚኒስትሪ እቶት ፍቃድ
ዝተሓተመ ዘለኩምን ፡
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሽገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 20/02/2019 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 03/03/2019 ዓ.ም አዮ :: ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ ሓሙሽተ /5፡00/ ናይ ንጉሆ ይከዉን :: ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይኽእሉ፡፡
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 03/03/2019 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ::
6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡
8. ቴክኒካልን ስፒኦን ብሓደ ፋይናንሻልን ድማ ንበይኑ ብፖስታ ዝተአሸገ ክተቅርቡ አለኩም ::
9. እቲ ጨረታ ትሕዝቶ ዘጠቃልሎ 35% ፋይናንሻል ከምኡዉን 65% ድማ ቴክኒካል ዘጠቃለለ እዩ።
10. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) ምስራዝ ኣይካኣልን ።
11. እቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማሪጺ እንተረሱ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡