https://tenders.milkta.com/ti/display/20827

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት (Construction Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 20, 2019 (21 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 3, 2019 5:00 ቅ/ሰዓት (ተዓፅዩ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 4, 2019 9:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/

ጨረታ ምልክታ

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት (Construction Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ ስለዚ ክትጫረቱ

እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ አትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

1. ናይ 2019 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኸአሉ፡፡

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬት፣ ቲን ቁፅሪን፣ ንግዲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከተቕርቡ ትክእሉ ሓዱሽ ቅብሊት ብሚኒስትሪ እቶት ፍቃድ ዝተሓተመ ዘለኩምን ፡

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም።

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 20/02/2019 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 03/03/2019 ዓ.ም እዮ፡፡ እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 03/03/2019 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5፡00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን :: ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 03/03/2019 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።

6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡

8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) ምስራዝ ኣይካኣልን ፡፡

9. እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

10. እቲ ድርጅት ዝሓሽ አማራን እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡