https://tenders.milkta.com/ti/display/20734

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ የተወሰነ የግል ማሕበር፡ አብ ቤት ፅሕፈቱ ዝርከብ ካፌቴሪያ ንግልጋሎት ምግቢ፣ ውዑይን ዝሑልን መስተ አጫሪቱ ከስርሕ ስለደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 6, 2019 (15 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መስከረም 11, 2019 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መስከረም 11, 2019 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ካፌን ሬስትራንትን/

ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ የተወሰነ የግል ማሕበር፡ አብ ቤት ፅሕፈቱ ዝርከብ ካፌቴሪያ ንግልጋሎት ምግቢ፣ ውዑይን ዝሑልን መስተ አጫሪቱ ከስርሕ ስለደለየ፣ ክትወዳደሩ ትደልዩ ተወዳደርቲ ብኽብሪ ይዕድም

  • ናይ 2018 ዓ.ም. ዝታደሰ ንግዲ ፍቓድ ወይውን VAT ተመዝገብቲ ዝዀንኩም።
  • ናይ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. VAT деклаራረ (Declare) ዝገበርክሙሉ ሰነድ ክተቕርቡ ዝኽእሉ።
  • ዋሕስና ጨረታ ብር 5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብመልከዕ CPO ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተወሃበ ወይውን ዝተረጋገፀ ቼክ ክተቕርቡ ዝኽእሉ።
  • ዶክመንት ጨረታ ኩሉ ግዜ አብ ሰዓት ስራሕ ካብ ዕለት 06/01/2019 ዓ.ም. ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 200 (ክለት ሚኢቲ) ብምክፋል ካብ ዳይሬክቶሬት ፋይናንስን ንብረት ምሕዳራን ቢሮ ቑፅሪ 308 ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ።
  • ዶክመንት ጨረታ መልኢኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ 404 ክተቕርቡ ትኽእሉ ምዃንኩምን፣ እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 06/01/2019 ዓ.ም. ጀሚሩ ተኸታተልቲ 5 (ሓሙሽተ) ናይ ስራሕ መዓልታት ብምፅናሕ፣ ዕለት 11 መስከረም 2019 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ረፍዲ ተወዳደርቲ ወይውን ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለውሉ አብ ራብዓይ ፎቕ አብ ዝርከብ 404 አዳራሽ ይኽፈት።
  • ነቲ ካፌቴሪያ ዝኸውን ሙሉእ ንብረት እቲ ተወዳዳሪ ዝስዓረ አካል ባዕሉ ያቕርብ።
  • ትካልና ዝቕርቦም ነቲ ካፌቴሪያ ዝኸውን ገዛን መብራህትን ብነፃ ክፍሊት ያቕርብ።
  • ማይ አብ ትካል እንተጠፊኡ ስዓራይ ጨረታ ባዕሉ ያቕርብ።
  • ነቲ ካፌቴሪያ ዝኸውን ዝቐረበ ንብረት ብዝርዝር ያቕርብ።
  • ስዓራይ እቲ ጨረታ ምስ ተፈለጠ አብ ውሽጢ 5 (ሓሙሽተ) መዓልታት ስራሑ ይጅምር።
  • ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይድማ ብሙሉኡ ናይ ምሰራዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።