https://tenders.milkta.com/ti/display/20731

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ናይ ነዳዲ ሞተር ሳይክል ከምኡ እዉን ናይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 6, 2019 (16 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መስከረም 7, 2019 8:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መስከረም 8, 2019 9:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክት ብዝተረኸበ ሓገዝ

1. ናይ ነዳዲ ሞተር ሳይክል ከምኡ እዉን ናይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 15 /09 /2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 17 /09/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸእሉ።

✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/09/ 2026 ስዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 17 /09/ 2026 ስዓት 9:00 ድሕሪ ስዓት ይኸዉን

መብርሂ፤ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ

ምስ ሰላምታ