ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንኸተምኡ ግልጋሎት ዝውዕል ሎት ክልተ (02፣ 03፣ 04)፣ ሎት ሓደ (01፣ 05፣ 06) ቀበሌታት ደረቕ ጐሓፍ ምእካብን ምጓዓዝን ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው መስፈርቲታት ዝመልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።
- ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝከፈልኩም፣ በቲ ዘርፊ ናይ ከተማ ናይ ደረቕ ጐሓፍ ግልጋሎት ፅሬት ስራሕቲ ዝታደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቅዳሕ ምስ ዋናኡ ክታቅርቡ ትኽእሉ።
- ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቑፅሪ (TIN Number) ዘለኩም፣ በቲ ዘርፊ ናይ ደረቕ ጐሓፍ ግልጋሎት ፅሬት ስራሕቲ ናይ ዘበኑ ዝታደሰ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ምስክር ቅዳሕ ምስ ዋናኡ ክታቅርቡ ትኽእሉ።
- ምዝገባ ተጨማሪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብኩምሉ መረዳእታን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዘውራረድኩምሉ ወይውን ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋናኡ ክታቅርቡ ትኽእሉ።
- ናይ 2019 ዓ.ም. ዝታደሰ መግለፂ ብርኪ ስራሕ ወረቐት ምስክር (ናይ ብቕዓት ወረቐት ምስክር) ክታቅርቡ ትኽእሉ።
መኽበሪ ጨረታ (CPO):
- ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ፡
- ናይ 02፣ 03፣ 04 ቀበሌታት ደረቕ ጐሓፍ ምእካብን ምጓዓዝን (ሎት 2) 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ፤
- ናይ 01፣ 05፣ 06 ቀበሌታት ደረቕ ጐሓፍ ምእካብን ምጓዓዝን (ሎት 1) 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ፤
- ብናይ ኢትዮጵያ ብር ብቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ስም ብባንኪ የተረጋገፀ CPO ወይድማ አብ ኹነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዋሕስና ንበይኑ ብፖስታ ዓሺግኩም አብቲ ዓቢይ ፖስታ አትዩ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክትሕዝዎ አለክብኩም።
ሰነድ ጨረታን መፅሓፊ ቦታን:
- ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ጳጉሜን 05/2018 ዓ.ም. ጀሚርኩም ክሳብ መስከረም 19/2019 ዓ.ም. ሰዓት 11:00 ጥራሕ፤
- ዘይመ 2,000 (ክለት ሽሕ) ቕርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ኬይዲ ስራሕ ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን፣ ዓደጋን ንብረት ምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 102 ሞሳር ትኽእሉ።
ናይ ተሽከርካሪ መስፈርቲ:
- ሎት 1 (01፣ 05፣ 06 ቀበሌታት): ጐሓፍ ዝፅዕናን ዘጓዓዕዛን 2 (ክልተ) ስታንዳርደን (ደረጃአን ዝሓለዋ) ተሽከርከርቲ መኪና፣ 15 ሜትር ኩብ (15 $m^3$) ንልዕሊኡን መጠን ሒዝቶ ዘለወን፣ ብናይ በዓሉ ወፃኢ/ተኻሪዩ ክኣቱ ዝኽእል።
- ሎት 2 (02፣ 03፣ 04 ቀበሌታት): ጐሓፍ ዝፅዕናን ዘጓዓዕዛን 2 (ክልተ) ስታንዳርደን (ደረጃአን ዝሓለዋ) ተሽከርከርቲ መኪና፣ 15 ሜትር ኩብ (15 $m^3$) ንልዕሊኡን መጠን ሒዝቶ ዘለወን፣ ብናይ በዓሉ ወፃኢ/ተኻሪዩ ክኣቱ ዝኽእል።
- ሓንቲ ተሽከርካሪ መኪና አብ መዓልቲ 2 (ክልተ) ጊዜ ትጓዓዝ።
ጨረታ ዝዓፀወሉን ዝኽፈተሉን መዓልቲ:
- ሳንዱቕ ጨረታ መስከረም 20/2019 ዓ.ም. ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ፣ አብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 አብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት። እንተዘይተረኺቦም ግን ንምኽፋት ዝዓግቶ ነገር የለን።
ወጋን ክፍሊትን:
- ዝምላእ ዋጋ VAT (ተወሳኺ እሴት ታክስ) ዝሓወሰ ክሆን ይገባእ። እቲ ዝተመልኣ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኾይኑ፣ እቲ ዝተመልኣ ዋጋ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር።
- አብ ቴክኒካል ጨረታ ካብ ዝሓለፉ ተወዳደርቲ፣ አብ ፋይናንሻል ጨረታ ዝተሓተ ዋጋ ዝመልኣ ተጫራታይ ጥራሕ ስዓራይ ይኸውን።
- ስዓራይ ተጫራታይ ምስ ቤት ዕዮ ውዕሊ አብ ዝአስረሉ ጊዜ፣ አብ ውሽጢ 3 (ሠለስተ) መዓልትታት ስራሕ፣ ካብ ጠቕላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ 5% (ሓም his ሚኢታዊ) ናይ ውዕሊ ዋሕስና ብባንኪ የተረጋገፀ CPO ወይድማ አብ ኹነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዋሕስና ከቅርብ ይገብኦ።
- ብምክንያት ሕፅረት ነዳዲ አብ ግልጋሎት ምትእጉጓል ከይፈጠር፣ ብናይ በዓሉ ወፃኢ ተጣባባቒ ወይውን መሐለውታ ነዳዲ ሒዙ አማሊኡ ነቲ ስዓረሉ ዝርዝር ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል።
- አብ ከተማና (ከተማ ዓዲግራት) ቤት ፅሕፈት ከፊቱ ናይ ከተማ ናይ ደረቕ ጐሓፍ ፅሬት ስራሕቲ አገልግሎት ክህብ ዝኽእል።
- ስዓራይ ውዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 7 (ሸውዓተ) ተኸታተልቲ መዓልትታት ስራሑ ክሰርሕ ዝኽእል።
ተወሳኺ ሓበሬታ:
- አብ ነፍሲ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክገበረሉ ይገባእ።
- ብተወሳኺ ተጫራታይ እዞም አብ ላዕሊ ካብ ተራ ቑፅሪ 1 ክሳብ 6 ተዘርዚሮም ዘለዉ ራቛሒታት አብ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን አተሓሒዝኩም ብበይኑ ዓሺግኩም፣ መኽበሪ ጨረታ ብበይኑ ዓሺግኩም፣ ኹሎም ድማ አብ ሓደ ፖስታ ብምዕሻግ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ አታዊ ክትገብሩ አለክብኩም።
- ካብዚ ወፃኢ ንዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ሕቶ እቲ ቤት ፅሕፈት ዘይተቀበሎ ምዃኑ ይገልፅ።
- አብ መኽበሪ ጨረታ አብ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዋናን ቅዳሕን ምዃኖም አብ ዝባን ፖስታ ዝሕብር ፅሑፍ ክሃልዎም አለዎ፤ እንተዘይሃሊውዎ ግን ውድቂ ይኸውን።
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፊል ይኹን ብሙሉኡ ናይ ምሰራዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።
- ንዝበለፀ ሓበሬታ ብአካል ናብቲ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ወይድማ ብቑፅርታት ስልኪ:
- 09 79 52 91 06
- 09 14 73 08 81
ደውይልካ ምሕታት ይክኣል።
ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት