https://tenders.milkta.com/ti/display/20647

ሆስፒታል ስሑል ን2019 ዓም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ደንቢ ልብሲ : መሳርሒ ፅሕፈት: ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት መሳርሒ: ምግቢ ንተሐከምቲ :ኣቅሑት ፅሬት : ዝተፈላለዩ ናይ ተሽከርከርቲ ስፔራት ማለት መለዋወጢ ኣቅሑት : ኣቅሑት ህንፃ መሳርሒን ኣቅሑት ኤሌክትሪክን ከምእዉን ዝተፈላለዩ ናይ ማይ መስመራት መገጣጠሚ ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 18, 2018 (18 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ነሓሰ 26, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000.00
  • ቦታ:ሽረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ነሓሰ 26, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይ 2018 ወይ2019 ዓም ሕጋዊ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :ዝተሐደሰ መቅረባይነትን : ቲን ናምበርን ዘለዎ

2 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ናይ ሰነ 2018 ዓም ዲክለሪሽን ሪፖርት ዘቅርብ

3 ኣብ ዋጋ መምሊኢ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዝገበረ ፓራፍ ዘይብሉ ኣብ ዉድድር ዉድቂ ይከዉን

4 አብ ነብሰወከፍ ሰነድ ጨረታ ፊርማን ማህተምን ፖስታ ማህተም ዘይብሉ ካብ ዉድድር ዉድቂ ይከዉን

5 ኣብ ዝወዳደሩ ሕድሕድ ዘፈር ጨረታ መከበሪ ብስፒኦ 10000 ቅርሺ ጥራሕ ብሽም ሆስፒታል ስሑል ኣብ ሕጋዊ ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 300 ብር ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕቃባ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ሆስፒታል ሱሑል ቢሮ ቁፅሪ 5 ምዉሳድ ይከኣል

7 ጨረታ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ 11/12/2018 ዓም ክሳብ 26/12/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ሰዓት ስራሕ ቢሮ ቁፅሪ 5 ከይዲ ስራሕ ዕቃባ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ምእታዉ ይከኣል

8 ጨረታ ዝዕፀወሉ 26/12/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ይዕፀዉ ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ሆስፒታል ሱሑል መኣከቢ ኣዳራሽ ተጫረቲ ኣካላት ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ 26/12/2018 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት

9 ተጫረቲ ንዝወዳደረዎ ንብረት ማለት ምረኣያ ዘድለዩ እንተኮይኑ ካብ ትካልና መፂእኩም ብምርኣይ ክትወዳደሩ ከምትክእሉ ንሕብር

10 ሆስፒታል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0948456400 0949692830