https://tenders.milkta.com/ti/display/20644

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ዓም ንናይ መካይን ግልጋሎት ጋራጅ ክነጫርት ስለዝደለና ንክትወዳደሩ ንዕድም

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 15, 2018 (21 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ነሓሰ 26, 2018 3:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ነሓሰ 26, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ተሽከርካሪ/

1ናይ ዘመኑ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈልኩም ሕጋዊ ፍቃድ ንግድ መቅረባይነትን ዝተመዝገብኩም

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ ቲን ምምዝጋብኩም መረዳእታ ክተቅረቡ እትክእሉ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ዘመኑ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ብቅዓት መረጋገፂ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ብትካልና ዝተጣየሸ ኮሜቲ ነጥቢ ዝዉሃብ 70 ሚእታዊ ዝሐዘ እንትከዉን ፋይናንሻል 30 ሚእታዊ ይከዉን

6 መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ኣብ ቴክኒካል ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ክተትሕዙ ትክእሉ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ሐደ ዋንኡን ሐደ ቅድሑን ፋይናንሻል ሰነድ ሐደ ዋንኡን ሐደ ቅድሑን ቴክካል ሰነድ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ምእታዉ ትክእሉ

8 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 26/12/2018 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ቅድሚ ሰዓት 4:00 ቴክካል ዝክፈት እንትከዉን ፋይናንሻል ዝከፈተሉ ዕለት ድማ 30/12/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ይከዉን

9 ሰዓራይ ትካል ብዝተወየሃቦ ዝርዝር መግለፂ መሰረት ከቅርብ ይግባእ

10 ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ዳይሬክቶሪት ዳይሬክተር ዕድጋ ፋይናንስን ንበረት ምምሕዳርን ዘይምለስ 200 ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

11 ቅድሚ አሊ ዝተገለፀ መረዳእታ ክቀርብ አለዎ

12 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ዓዲሽንዱን ማይ ኣምስ ናብ ኢድ የማን 100 ኪሚእትዉ ኢልካ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0910385045