
ቑፅሪ ተ6-4/6/ ZO
ዕለት 11/12/2018 ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ናይጨ.ቁ-G-04/2018
ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ብ UNICEF ሓገዝ ዝተረኸበ ናይ ሕትመትን ስራሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ። ስለዚይ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ።Vat ዝተመዝገበን ቲን ቑፅሪን መቅረባይነትን ዘለዎም።
2. ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መኽበሪ ጨረታ ናይ ሕትመት ብር 15,000 /ዓሰርተ ሓሙስተ ሽሕ ብር/ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና፣ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስናን ጥረ ገንዘብ ወይ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ናይ ክፍሊት ትእዛዝ።
3. ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200 ክልተ ሚኢቲ ብር/ ብምኽፋል ካብ ቢሮና ትወስዱ ትኽእሉ።
4. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 26/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኸፈት።
5. ጨረታ ወፅኡ ካብ ዝቃለሐሉ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር
ረቕሓ ያስፐሲፊክሽን/መሰረት ካብ ዕለት 12/12/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 26/12/2015 ዓ/ም ኾይኑ ሰነድ ምስተገዝአ ብሽምዓ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ብምንፅፃር ብክልተ ፖስታ ዘቕርብ ኾይኑ እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሑሉ 15 መዓልቲ ይኸዉን።
6. ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኣብ ኮምፕሌክስ ናይ
ሓባርህንፃ ፣ ህንፃ 1/Block 1/ ኣብ 1 ደብሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን እዩ።
7. እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡
8. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል'ዩ