https://tenders.milkta.com/ti/display/20607

ቤት ፅሕፈት ልምዓተ እቶት ምምሕደር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣብ በጀት ዓመት 2018ን 2019 ዓም ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተመደበ በጀት ናይ ሶላር ፓምፕ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 11, 2018 (21 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ነሓሰ 22, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20,000.00
  • ቦታ:ቆላ ተምቤን
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ነሓሰ 22, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል /sepecification/ ምስራዝ አይከኣልን

2 እቲ ግልፂ ጨረታ ናብ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክህልዎ አለዎ

3 እቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዎ ይክፈት ተጫራታይ በቲ ዝተብሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኪቡ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይለዉሉ ዝክፈት ምካኑ

4 ሰዓራይ ምካኑ ምስ ተፈለጠ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ጣብያታት ወሲዱ ክቀድም ዝክእል

5 ንሐደ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200 ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳ ፋይናንስን ቆላ ተምቤን ሰነድ ብምግዛእ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዝግባእ መሊኡ ክወዳደር ዝደሊ

6 ተጫራቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋት መክበሪ ጨረታ ዝከዉን 20000 ብር ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 7/12/2018 ዓም ከሳብ 21/12/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 11:30 ኮይኑ ሐደ ኮፒን ሐደ ኦርጀናል ነንበይኑ ዓሺጉ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል

8 እቲ ጨረታ ዕለት 22/12/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ይክፈት ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 39 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

9 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

10 እቲ ግልፂ ጨረታ ናይ ባዕል ዋና ማህተምን ፊርማን: ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ :ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርዲ/ ዘለዎን : ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ፡ ቫት ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለሬሽን መረዳታ ከቅርብ ዝክእል

11 ሰዓራይ ዝብሃል ናይ ኩሉ ዓይነት ንብረት ኣማሊኡ እዝቀርብ ዋጋ ተደሚሩ ዝነኣሰ ዋጋ ይወስድ

12 ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን እዚ ግልፂ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ተወሳኪ ሐበሬታ 0914158967 ወይ 0914214797