
<ምልከታ ፕርፎርማ
ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጠ ኣቕሑትን ብፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ በቲ ንግዲ ዘርፊ ዝሓቶ መሰረት
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ ቲን ናምበርን ቫት ዝተመዝገብኩም ተኮይንኩም ናይ ቫት
ዝረመዝገብኩምሉ ሴርቲፌኬት መቕረባይነትን ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ዝቀርብ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ መሊእኩም ብፓስታ ኣሺግኩም ካብ ዕለት 08/12/ 2018 ዓ/ም ክሳብ 12/12/2018 ዓ/ም 11፡30 ናብ ቁፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ' ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 13/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 2፡30 ዝክፈት ምዃኑ ንገልፅ'
2. እቲ ዝቐርብ ኣቅሓ ነቲ ዝተጠቀሰ ስፔስፊኬሽን ዘማለአ ክኮን _ ኣለዎ
3. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ውዕጢ 3 ናይ ስራሕ – መዓልታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፓርት ከቅርብ ዝክእል
4. ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተርክቡ ትክእሉ ምዃንኩም ኣረጋጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ ሳዓራይ ምስተበሃለ : ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ትካል ኣብዚ ቤት ዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸውን
5. ኣብ ዘይዘርፉ ዘይምልከቶ/ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ካብ ውድድር ወፃኢ ይግበር
6. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን 7ተ ስራሕ መዓልቲታት ጥራሕ ይኸውን
7. መምልኢ ዋጋ ን ካብ ቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ምውሳድ ይከኣል
8. እቲ ቤት ፅሕፈት ዳ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ኣብ ዘውፀኦ በዝሒ ምቕናስ ፣ ምውሳኽ ከምኡ 'ውን ብሙሉእ ወይ ብክፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንዝድለ ሓበሬታ - ብኣካል ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-406451 ምሕታት ይከኣል