
ምልክታ ጨረታ ስራሕቲ ሒሳብ
ማሕበር ማእኸል ዕዳጋ ፅሕፈት መሳርሒ ካብ ወርሒ ነሓሰ 1/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/10/2018 ዓ/ም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቓስ ብሒሳብ ክኢላ ሒሳብ ከስርሕ ስለዝደለየ ዝተፈቐደልኩም ሒሳብ ክኢላታት ትካላትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ሒሳብ ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ንክሳተፍ ይዕድም።
ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሒ
1. ንማሕበርና ሒሳብ ንምክያድ ስለዝደለየ ናይ ሒሳብ ኪኢላ ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል፣
2. ናይ 2018 ዓ/ም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ንዝኾነ/፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይ/TIN No /ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅሙ መረዳእታታት ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል።
3. እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 26/11/16 እስካብ 02/12/2018 ዓ/ም ተኸታታሊ መዓልቲ መወዳደሪ ጨረታ ዶክመንት ዋጋ መሊኡ ከቅርብ ይኽእል።
4. እቲ ጨረታ ዕለት 02/12/2018 ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ይኸፈት።
5. እቲ ማሕበር ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ብተወሳኺ ሓበፊታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914314201 ወይ 0914703765 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።