https://tenders.milkta.com/ti/display/20486

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓለፈነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ንናይትካልና ሰራሕተኛታት አገልግሎት ዝዉዕለ ክልተ ኣዉተብሳት ብግልፂ ጨረታ አወዳዳሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ኣብ ስራሕ ዝተወፈኩም መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሓምለ 14, 2018 (22 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓምለ 17, 2018 3:45 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓምለ 17, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/

1 ናይ 2017 ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል

2 ብበዓል መዚ እቶት ዝተፈቀደሉ ቀብልቲ ከቅርብ ዝክእል

3 እትፅዕኖ መጠን ሰብ ወይድማ ተሰፋሪ ካብ 60 ክሳብ 62 ክከዉን ከምዝለዎን ትፅዕኖ መጠን ድማ ካብ ዝምልክቶ ኣካል መረጋገፂ ከቅርብ ዝክእል

4 በቢሮ ትራንስፖርትን መራከብን ክልል ትግራይ ብማሕበር ተወዲቦም ደረጃ ብቅዓት መኪኖም ቀዳማይ ደረጃ ምኮንን መረጋገፂ ብቅዓት ዝተዉሃቦ

5 ንሰራሕተኛታት ሰርቪስ ኣብ ዝህብሉ ሰዓት ዝኮነ ዓይነት ናይ ቴክኒክ ብልሽት እንተጋጥም ብህፁፅ ካሊእ ሰርቪስ ክትክእ ዝክእል

6 ናይ ጨረታ መክበሪ 50000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መረዳእታኦም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ክስብ 17/11/2018 ዓም ናብ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ መምርሒ ዕደጋን ቀረብን ከእትዉ ዝክእል

8 እቲ ጨረታ ብተመሳሳሊ ዕለት 17/11/2018 ዓም 3:45 ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶን ኣብ ዝተረክብሉ ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት

9 ተጫረቲ ዝተማለአ ሰነድ እንተቅሪቦም ወላ ብኣካል ኣይረከቡ ሰነድ ጨረታ ይክፈት

8 ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344405806 0342410085