
ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትና ዝውዕል ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ(Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሚያዝያ ወርሒ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2018 ዓ.ም፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. ውፅኢት ፕሮፎርማ ዝገልፅ መአዚዚ ዕደጋ (Purchase Order) ካብ ዝወሰደሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣
7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንደ እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።
8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣
10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 13/11/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓዕዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡