https://tenders.milkta.com/ti/display/20348

ኣካዳሚና ኣገልግሎታቱ፣ ፍሉይነቱን ዕድላቱን ንሰፊሕ ህዝቢ ንምፍላጥ ብማሕበራዊ ሚዲያን ቴሌቪዥንን ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ትካላትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ንኸወዳደሩ ብኸብሪ ይዕድም።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሰነ 16, 2018 (22 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰነ 23, 2018 6:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰነ 24, 2018 9:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ማርኬትንግን ፕሮሞሽን ግልጋሎት/

ምልክታ ጨረታ 

ንኣገልግሎት ምልክታን ምፍላጥ ትካልን (Media Promotion Service)

1. መእተዊ

ሜታኖያ ኣካዳሚ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብሉፅ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተወፈየ ትካል ኮይኑ፣ ብዝለዓለ ብርኪ ፅሬት ትምህርቲ ንምቕራብ ይሰርሕ ኣሎ። ኣካዳሚና ኣገልግሎታቱ፣ ፍሉይነቱን ዕድላቱን ንሰፊሕ ህዝቢ ንምፍላጥ ብማሕበራዊ ሚዲያን ቴሌቪዥንን ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ትካላትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ንኸወዳደሩ ብኸብሪ ይዕድም።

2. ዕላማ ናይቲ ስራሕ

• ስምን ብራንድን ሜታኖያ ኣካዳሚ ንሰፊሕ ህዝቢ ምፍላጥ።

• ሓደሽቲ ተምሃሮን ወለድን ናብ ኣካዳሚና ንምምፃእ ምብርትታዕ።

• ፍሉይ ኣገልግሎታትናን ውፅኢታትናን ብማሕበራዊ ሚዲያን ቴሌቪዥንን ምቕራብ።

• ናይ ሼር መሸጣን ካልእ ንግዳዊ መደባትን ንህዝቢ ምፍላጥ።

3. ዝድለ ኣገልግሎታት

• እቶም ተወዳደርቲ ካብዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ሓደ ወይ ልዕሊኡ ክህቡ ይግባእ፦

• ብዩቲዩብ፣ ፌስቡክ፣ ቲክቶክን ካልኦት ማሕበራዊ ሚዲያታትን ቪድዮን ምልክታን ምቕራብ።

• ምስ መራሕቲ፣ መምህራንን ተምሃሮን ቃለ-መሕትት ምስራሕ።

• ድራማ፣ ዶክመንታሪን ናይ ማስታወቂያ ቪድዮታትን ምስራሕ።

• ብቴሌቪዥን ወይ ራድዮ ምልክታ ምቕራብ።

• ንዲጂታል ማርኬቲንግ ዝምልከት ስትራቴጂ ምቕራብ።

4. ብቕዓት ተወዳደርቲ

ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ መምዘኒታት ከማልኡ ይግባእ፦

• ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ወይ ሚዲያ ስራሕ ዝተረጋገፀ ልምዲ ዘለዎም ክኾኑ።

• ብዙሓት ተኸታተልቲ (followers/Subscribers) ዘለዎም ክኾኑ።

• ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሕዎ ስራሕ(Portfolio)ከቕርቡ።

Ethiopia Tigray.Mekelle

251974-888111 +251974-666111 +251974-666611

- 15 ተበለ ሓዱሽ ባንኪ ንግዲ ኢያ