
ምልክታ ጨረታን ተጫረቲ ከማልኡዎ ዝግባእን
ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ኣብ ናይ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ቁሸታት/ጣብያታትን ወረዳታትን ዝርከቡ ፕሮጀክት ሳይት • ማ/ሰብ ደኒ ዘለዎም ናይ መብራህቲ ሕፅረት ንምቅራፍ፤ መማረፂ ተሓደሰ ሓይሊ መብራህቲ (ሶላር ) ብምጥቃም ቀንዲ መፍትሒ ኾይኑ ስለዝተረኸበ ትካልና ነዚ ከቅርቡ ዝኽእሉ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ኣብ ክልልና ኮነ ካልኦት ክልላት ትርከቡ ማሕበራትን ናይ ውልቀ ትካላትን ኩለኹም ፤ ትካልና ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ብዝሓዞ መደብ ከስርሕ ይደሊ፡፡ካብዚ ብተወሳኺ ሰዓራይ ክኸውን ዝኽእል ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ እንትኸውን ናብ ሕድሕድ ተጠቀምቲ መማእኸሊ ባዕሎም ወይም ተወከልቶም ከይዶም ዘድሊ ስልጠና ክህቡ ግድን እዩ። ናይ ማተርያል መጋዓዓዚ ትራንስፖርት ኣብ ግምት ከይኣእተው ከመልኡ ኣለዎም።
፦ ከፍሊት ክኸፈሎም ወይም ክኸፍለን ዝኽእል እቲ ዝተወሃቦም ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ሰሪሖም ምስወድኡ ወይ ድማ ናይዘቅረብዎ ጥራሕ ምኻኖም ከፈልጡ ይግባእ ። ማለት እውን በቲ ዝኣሰርዎ ውዕሊ መሰረት ።ምንም ዓይነት ቅድመ ክፍሊት ዝብሃል የለን።
ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሓታት ከማልኡ ኣለዎም።
1) ተጫረቲ ኣብ ክልለና ኮነ ኣብ ካሊእ ከልል ዝርከቡ ንግዲ ትካላት ናይ ተሓዳሲ ሓይሊ (ሶላር) ማሕበራትን ውልቀን ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ከጫረቱ ይክእሉ እዮም።
2) ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ብዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ትካል ምስክር ወረቐት፣ ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ንግዲ ሰራሕ ፍቃድን፣ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፍኬት /TI/፣ናይ መቕረባይነት ፤ ቫት/VAT ሰርተፍኬትን ዲክላሬሽንን ከቕርቡ ዝክእሉን ቫት/VAT/ ተመዝገብቲ ጥራሕ ክኾኑ አለዎም ።
3) መኸበሪ ጨረታ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቐደሎም ባንክታት (CPO) ብር (200,000 ) ጥራሕ ከቕርቡ ኣለዎም።
4) መኸበሪ ጨረታ ብኣድራሻ ናብ ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ተባሂሉ ከፃሓፍ ኣለዎ ብተወሳኺ ዕለትን ሽምን ኣብቲ መኸበሪ ጨረታ ከፅሓፍ ኣለዎ፡
5) ተጫራታይ ምስ ሰዓረ/ት 5 % ናይቲ ጠቅላላ ውዕሊ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቐደሎም ባንክታት (CPO /መኸበውሪ ከትሕዝ ዝኸእል
6) 2.5% ሪቴንሽን ናይቲ ጠቅላላ ውዕሊዝተኣሰረሉ ንከልተ ዓመት ክተሓዝ ምኻኑ ኣሚኖም ክሰርሑ ይግባእ
7) ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ውዕሊ ካብ ዝፍፅምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ( 30/ሰላሳ ) ተኸታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም ፡፡
8) ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 11/10/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ናብ ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ኣክሊል ህንጻ (ዓዲ ሓቂ ጥቃ G|7 ) ናብ ዓይደር ዝውስድ መንገዲ ኣድላይ መረዳእታታት ብር 200 ብምኽፋል ከወስዱ ይኽእሉ እዮም።
9) ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል ፣ ሓደ ፎቶ ኮፒ ዝሓዘ ሰነዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሽጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብዪ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ትካል ሽም ኣብ ልዕሊ`እቲ ዓብዪ ፖስታ ኣድራሻ ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 20/10/2018 ዓ/ም 4:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም፡፡
10) ተጫረቲ እቲ ጨረታ ሰነድ ብውነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፊርሞኦምን ማሕተሞምን ብምዕራፍ እቲ ጨረታ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
11) እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 20 / 10/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4፡15 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኽፈት እዩ።+
12) ጨረታ ኣብ ኣይር ዝፀነሐሉ ግዜ ን 10 / ሓመቐት ተኸታተልቲ መዓልትታት እዩ።
13) ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ኩሎም ኣብ ናይ ተሓዳሲ ሓይሊ (ሶላር) ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ብማይ መኣድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ወይ ፈደራል ፍቃድ ዘለዎ
14) እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ወይም ብምሉእ ናይ ምስራዝ መብቱ ሕሉው እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብኣካል ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0914 112 493 / 0914 159 782 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ
ኣድራሻ ዓዲ ሓቂ ኣከሊል ህንፃ ጥቃ G|Z ሓሸንገ ኮሌጅ ዝነበረ