
1 ተጫረቲ ናይዚ ዘመን ግብሪ ዝከፈሉን ፍቃድ ንግድን ዘለዎም ዘሐደሱን ክኮኑ ይግባእ
2 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡ : መለለይ ከፈላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ: ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡን : ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም
3 ተጫረቲ ናይ መክበሪ ጨረታ 7000 ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ይግባእ
4 ን ዝተዳለወ ናይ ተጫረታ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለሰ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ብምዉሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላዉ እዚ ምልክታ ከብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ 22/10/2018 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብምእታዉ ክትወዳደሩ ትክእሉ
5 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ 22/10/2018 ዓም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ 22/10/2018 ዓም ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይክፈት
6 በዓል መዚ እቶት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
7 ተጫረቲ ሕድሕድ ዝምላ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዝሐወሰ ክክዉን አለዎ
8 ኣብ ዝቀረብ ሰነድ ነፍሰ ወከፍ ክቢ ማሕተም ፊርማን ክግበረሉ አለዎ
9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን መራገፍን ከቅርቡ ይግባእ
ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344401875