
ምልክታ ዋጋ መቅረቢ/ፕሮፎርማ/ 10
ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መኪና ስፒር ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ:: በዚ መሰረት እዞም ዝሰዕቡ ረቋሒታት እተማልእ ነጋዲ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ::
መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::
2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ::
3. ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም::
4. ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ክቕርብ ዝክእል
5. ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኸእሉ ምኳንኩም እናገለፀና መወዳደሪኩም ሽም፣ ኣድራሻን፣ ናይ ትካልኩም ማህተምን፣ ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 02/10/2018ዓ/ም ክሳብ 5/10/2018 ዓ/ም ሰዓት4.00 ክትቕርቡ/ ክትወዳደሩ ትክእሉ::
6. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 05/10/2018 ዓ/ም ሰዓት4፡30ኣብ ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቁፅሪ 08 ይኽፈት::
7. እቲ ዝቐርብ ኣሞፑል ፅራቱ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ እንተዘይኾይኑ ግን ተቐባልነት የብሉን::
8. አብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂን ዘይኾነ ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን::
9. ካብዚ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ብባዕልኻ ዓይነት ቐይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም አይፍቀድን::
10. እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ ዘግልግል እቲ ንብረት አብ ኢዶም ምህላዉ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኾይኑ ሰለ አረጋጊፆም ዋጋ ይምልኡ ::
11. ስለዚ ኣነ በዓል ትካል ነዚ ዝተወዳደርኩሉ ስዓራይ እንተኮይነ ነቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይምትእጉጓል ኦርጅናል ዝኮነ ኣቕሓን ብስፈሰፊኬሽን መሰረት ንከቕርብ ሓላፍነት ወሲደ ተስማሚዔ ኣለኩ ::
12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎረማ ተራእዪ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ይኸውን::
13. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
14. ናይ ቤት ፅሕፈትና ቲን ቁፅሪ 0026444876 ከምዝኮነ ንሕብር::
15. እቲ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 08 ኣታዊ ትገበር::
16. ንተወሳኺ ሓብሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ ‰ -03 44 41 65 70 ሓዱሽ ህንፃ ፊት ንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ ትግራይ
| ተ.ቁ | ዓይነት ንብረት | ፓርት ናምበር | ሞዴል መኪና | ታርጋ ቁፅሪ | መዕቀኒ | በዝሒ | ነ/ዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብሪሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 01 | Shoe kit | 04495-60070 | 105 | 4-0042 | pis | 01 | |||
| 02 | Jaak assy ምሰ መልዐሊ | 09111-60070 | 105 | 4-0042 | pis | 01 | |||
| 03 | Startr Kit Batter terminal | 28226-54320 | 105 | 4-0042 | pis | 01 | |||
| 04 | በትሪ 70 AM 12 | Exop ባትሪ | Hjz-75 | 35-0196 | pis | 02 |