https://tenders.milkta.com/ti/display/20164

ክፍለ ከተማ ሓድነት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንናይ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ግልጋሎት ዝውዕል መኪና መለዋወጢ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 1, 2018 (6 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰነ 4, 2018 3:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰነ 4, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ቁፅሪ ...ዕ/ንብ/ምም/ክ/ከ/ሓ/18

ዕለት 01/10/2018 ዓ/ም

ናይ ፕሮፎርማ ምልክታ ቁፅሪ 017

ክፍለ ከተማ ሓድነት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንናይ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ግልጋሎት ዝውዕል መኪና መለዋወጢ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቁሓታት ተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ናይ ተጫረቲ መምርሒ ፦ ተጫረቲ /ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ፦

1. በቲ ዘርፍ ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ናይ 2018 ዓ/ም፤ናይ ግብሪ ከፋላይ ሰርተፊኬት(ቲን)፤ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎ፤እንትኾን እቲ መረዳእታ ምስቲ ፕሮፎርማ ኮፒ ብምትሕሓዝ ብፖስታ ኣሺጉ ዋጋ ዝመልኦ ኣካል ፊርማን ማህተምን ስ/ቁፅሪ ክገብረሉ ይግባእ፤ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ዋጋ ፌርማ ክኣርፈሉ ይግባእ ።ፌርማ ዝየብሉ ነፀላ ዋጋ ውድቂ ይከውን።

2. ፕሮፎርማ ዝቀርበሉ ዕለት እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀአሉ ዕለት 01/10/2018 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 04/10/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 3፣30 ተዓፂዩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ቁፅሪ 22/2ይ ደብሪ በቲ ዕለት 04/10/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 4፣00 ንጎሆ ይክፈት።

3. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።

4. ተወዳደርቲ ወይ ከዓ ወኪላቶም ብዘይ ምርካቦም ከይተኸፈተ ዝምለስ ሰነድ ፕሮፎርማ ኣይሕሊን

5. ኣብ መንጎ መቅረባይን ቤት ፅሕፈትን መቅረባይ ዝሃቦ ናይ ዋጋ መግለፂ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

6. ዋጋ ፀንዑ ዝፀንዐሉ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7 መዓልቲ ይኸውን

7. ዝሰዓረ ተወዳደራይ ናይ ዝስዓሮ ዓይነት ንብረት ደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ኣብ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎ።

8. ኣድራሻና ቅሳነት ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምብፃሓካ ዝርከብ ኮይኑ ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0913200951 ወይም 0987313391


ሞዴል ቢሾፍቱ መኪና ፕሮፎርማ ዋጋ መምልዒ

ተቁዓይነት ንብረትመግለፂመዐቀኒበዝሒነ/ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
1ራዲያተርኦርጅናልቁፅሪ1
2ስታርተርኦርጅናልቁፅሪ1
3ዋይፐር ዲናሞኦርጅናልቁፅሪ1
4ዋይፐር ብድኦርጅናልቁፅሪ1

ዋጋ ዝመልኦ ኣካል

ሽም

ዕለት.

ፊርማ