https://tenders.milkta.com/ti/display/20138

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA Project ማይጨዉ፣ ዓዲግራትን መቕለን ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኣቅሑታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 27, 2018 (22 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰነ 5, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰነ 5, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA Project ማይጨዉ፣ ዓዲግራትን መቕለን ግልጋሎት ዝዉዕል፡-

- ናይ ተግባር ስልጠና

- ናይ ዓበይቲ ፐርሰናል አይተም

- ናይ ዓበይቲ ምግቢ

- ፅሕፈት መሳርሒ

- ናይ ሕክምና ናዉቲ

- ናይ ህፃናት ፐርሰናል አይተም

- ናይ ስነ ልቦና አቑሑት ዓቅሚ መዕብይ

- ናይ ህፃናት ምግቢ

- ናይ ፅሬት ናውቲ

- ናይ ጨርቃጨርቂ

- ናይ ፀጉሪ መሳርሒ

ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( IN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ምስ ቫቱ ዝተመልአን ናይ ጠቕላላ ዝተጫረቶ/ዝመልእዎ ናይቲ ድምር ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ድምር ኣቐሚጡ

5. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ነፀላ ዋጋ ምስ በዝሒ ዝተራበሐ ጠቕላላ ድምር ከቐንጡ አለዎም

6. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካኣል

7. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሪፖርት ክገብር

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 27/09/2018 ዓ.ም ክሳብ 05/10/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/10/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

12. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ ይኽእል

13. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ /ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

14. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡