https://tenders.milkta.com/ti/display/20101

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ንበጀት ዓመት 2018 ዓም ንሴክተራት ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት : ኮምፒተር ቀለምን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 24, 2018 (13 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰነ 2, 2018 3:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: ንኤሌክትሮኒክስ 15000 ቅርሺ : ኮምፒተር ቀለም 4000 ቅርሺ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰነ 2, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 በቲ ዘፈር ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎምን ከቅርቡ ዝክእሉን

3 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅረቡ ዝክእሉ

4 ናይ ትካል ባዕል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ተገይርሉ ዋናን ቅዳሕን ነበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ አተሓሒዞም ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ

6 እቲ ምልክታ ጨረታ ካብ 17/9/2018 ዓም ክሳብ ክሳብ 2/10/2018 ዓም ኣበ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ 2/10/2018 ዓም ልክዐ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ከይዲ ሰራሕ ዕድጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ቅድሚ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ዝክፈት ኮይኑ እንተዘይተረኪቦም ንምክፈት ኣይተኣጎጎልን

7 መከበሪ ጨረታ ንኤሌክትሮኒክስ 15000 ቅርሺ : ኮምፒተር ቀለም 4000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

8 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 8 ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

9 እቲ ምልክታ ጨረታ መክፈቲ መዓልቲ ቀዳምን ሰንበትን ወይ ኣብ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይከዉን

10 ተጫረቲ ኣብ ዝሰዓርዎ ንብረት ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምንካይ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ፅሬቱ ዝተረጋገፀ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣታዊ ከገብር አለዎ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ በቁፅሪ ስልኪ 0931310938 0968979768