https://tenders.milkta.com/ti/display/20060

ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንናይቲ ቤት ፅሕፈት አገልግሎት ዝዉዕሉ ናይ ካዳሰተር ሲሰተም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኔትወርክ ዝርገሐ ሲሰተም: ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን አገልግሎት ክረክብን ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 17, 2018 (14 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 25, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:140,000.00
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 25, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ዝርገሐ ኔትዎርክን ፅገና/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም በቲ ዘፍር ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቁፅሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክረ ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥቅመሉ መረዳእታ ማለት ዲክለሪሽን ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 10/9/2018 ክሳብ 24/9/2018 ዓም ሰዓት 11:00 ዘይምለስ 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራትን ከይዲ ስራሕ ትልምን በጃትን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 102 /1 ምዉሳድ ትክእሉ

7 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምካፈቱ መከበሪ ጨረታ ናይ ካዳሰተር ሲሰተም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኔትወርክ ዝርገሐ ሲሰተም: ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት 140000 ቅርሺ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ስም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል

8 ተጫረቲ ፋይናንሻል ሰነድ ኦርጅናል ክልተ ኮፒን ቴክኒካል ሰነድ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒን በበይኑ ዓሺጎም ኣብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ከገብሩ ዝክእሉ

8 ሰንዱቅ ጨረታ 25/9/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም ግን ንምክፋት ዝዓግቶ ነገር የለን

9 ዝምላእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ

10 ኣብቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ ቫቱ ከምዝተመለአ ኣብ ግምት ይኣትዉ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት በዝሒ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት 2ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 103 ከረክብ ዝክእል ዘቅርቦ ንብረት ድማ ምስ ናይ ኔትዎርክ ሲሰተም ገጢሙ ከረክብ ዝክእልን

13 ኣብ ነብሰወከፍ እቲ ሰነድ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ናይቲ ትካልክግበረሉ ይግባእ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693 / 0914730881