
1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎን ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ደብረት ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ ግብረለ ከፈላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
4ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
5 ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
6 ከምኣድላይነቱ ናይ ሰርቨር መሉ ፓኬጅ ሲሰተም ስራሕ ንምስራሕ ብቅዓት መረጋገፂ ዘለዎ
7 ከምኣድላይነቱ ናይ ሰርቨር መሉ ፓኬጅ ሲሰተም ስራሕ ንምስራሕ ስራሕ ልምዲ ከተሓሓዝ ዝክእል
8 ሰነድ ጨረታ እዚ ጨረታ ብመራከቢ ሓፋሽ ካበ ዝተጋወሐሉ ክሳብ ዕለት 13/9/2018 ዓም ካብ ሰዓት 2:30 ጀሚሩ ክሳብ 11:30 ኣብ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ከይዲ ስራሕ ትልሚ ዕድጋ ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 12 ዘይመለስ ብር 3000 ብር እነዳከፈሉ ክወስዱ ይክእሉ
9 ናይ ቴክኒካል ስርቨር ስራሕቲ ጨረታ ዕለት 14/9/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፀዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዝተረከብሉ ይከፈት
9 እቲ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት ኣማሊኡ እንተተረኪቡ በዘይለዉሉን ምክፋት ዝዓግት ነገር የለን
10 መክበሪ ጨረታ ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ሲሰተምን ስራሕቲ 120000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ብስፒኦ ጥራሕ የትሕዝ
11 ናይ ሰርቨር መክበሪ ጨረታ ኣብ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ዘአትዉ ይከዉን ኣብ ፋይናንሻል ዝአትዉ ግን ዉድቂ ይግበር ወይ ተቀባልነት ኣይልዎን
12 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ክከዉን ይግባእ እንተኮይኑ ድማ አብ መወዳደሪ ዋጋ ናይ ባዕሎም ወይ ወኪል ፊርማ ማሀትምነ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ድማ ማሀተም ትካሎም ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ እዚ ዘይገብር ተወዳደሪ ግን ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከዉን ክፍልጥ አለዎ
13 ናይ ሰርቨር መሉእ ፓክጅ ሲሰተም ንምስራሕ ቴክኒካልን ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ፈይናንሻል እዉን ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰነዳት ክተሓሐዙ አለዎም
14ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ሲሰተም ስራሕ ምስራሕ ቴክኒክ ደኩመንት ጥራሕ ኣብቲ ዕለት ዝክፈት ይከዉን
15 ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ስራሕ ንምስራሕ ቴክኒካል ምስተወደአ ናብ ፋይናንሻል ዝሐልፉ ተወዳደርቲ ጥራሕ ፋይናንሻል ዝክፈት ይከዉን
16 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እንተናአሰ ን25 መዓልቲ ዝፀንዓ ይከዉን
17 ቴክኒካል መመዘኒ ብዝትመሓየሸ መምርሒ ዕደጋ ኣቅሑት ግልጋሎትን 5/2016 ዓንቀፅ 58 ቁፅሪ 2 ካብ ሀ ክሳብ ረ ብዝተዝርዘሩ ዝምዘን ይከዉን
18 ትካልና እዚ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ