https://tenders.milkta.com/ti/display/19805

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ንወረድኡ ዝዉዕል ጨቆዉቲ 45 መዓልቲ ሐደሽቲ ዓሌትን ደርሆ ቀለብን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከዕድግን ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 15, 2018 (22 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 30, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50,000.00
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 30, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ሕርሻ ጥረ ኣቁሑትን ኣቅርቦትን/

1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ

3 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ዘለዎ

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝባይ ዝኮነ ናይ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ምምሕዳር ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረት ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት 16/8/2018 ዓም ክሳብ 30/8/2018 ዓም ክትወስዱ ትክእሉ

6 ናይ ጨረታ ፖስት ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦን ጥረ ገንዘብን 50000 ከትሕዝ ዝክእል

7 ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣጎዓዒዙ ናብ ከተማ ራማ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ዝገብር

8 ጨረታ 30/8/2018 ዓም ሰዓት ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረት ይክፈት

9 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምህላዎም ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0943711585 / 0914135163