https://tenders.milkta.com/ti/display/19799

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ አብ 2018 ዓም መደበኛ በጀት ዓመት ብቃልኪዳን ሰቆጫ ሰቆጣ ዲክላሪሽን ንወረዳ ፅምብላ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ንስርዓት አመጋግባ ወይድማ ኑትሪሸን መጎልበቲ ንሓረስቶት ግልጋሎት ዝዉዕላ ደርሆ ምስናይ ሓፂር ግዜ ዝጥቀማሉ ምግቢ ኣብ ዘርፊ ንግዲ ንዝተዋፈሩ መቅረበቲ ብግልፂ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 14, 2018 (22 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 28, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:11,000.00
  • ቦታ:እንዳባ ጉና
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 28, 2018 4:15 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ሕርሻ ጥረ ኣቁሑትን ኣቅርቦትን/

1 በቲ ዘፍር ንግዲ ግብሪ መንግስቲ ዝከፈለክም : ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ዘይምለስ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ምስክር ወረቀት ቁፅሪ መለለይ ከፋሊ ግብሪ ዘለኩም ዘይምለስ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

3 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገብክሙን ናይ 2018 ዓም በጀት ዓመት ዘይምለስ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ አሴት ታክስ ምዝጉባቲ ዝኮንኩምን ዘይምለስ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል : ናይ ወርሒ የካቲት 2018 ዓም ሪፖርት ዝገበርክምሉ መረዳእታ ዘይመለስ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ኣብ ዝምልከቶ ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ገጠር ኩሎም መለክዒታት ዘማለአ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ደርሆ ምርባሕ ሰርትፊኬት ዘይምለስ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

6አብዚ ጨረታ ሲዒሩ ዉዕሊ ኣሲሩ እተን ደርሆ ዘቅርብ መቅረባይ እተን ደርሆ እንተናአሰ ዝተማለአ ክትባት ዝወሰዳ ምኮነን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

7 ቤት ፅሕፈትና ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተጠቀሰ ዝርዝር መግለፂ መሰርት ፅሬትን መጠንን ብምርግጋፅ ዝቅበል ኮይኑ ኣብ ዉዕሊ ካብ ዝተጠቀሰ በዝሒ ፅሬትን መጠንን ወፃኢ ብክፋል ናይ ምቅባል ግዴታ የብሉን

8 ናይ ኩሎም ዝተሐተቱ መወዳደሪ ረቆሒ መረዳእታ ኦርጅናል ክተቅርቡ እትክእሉ

9 ተወዳደርቲ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ቢድቦንድ ብር 11000 ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ብጥር ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

10 ተወዳደርቲ ካብ ዝተቃለሐሉ 12/8/2018ዓም ጀሚርኩም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ስራሕ ሰዓት ብምዉሳድ ዝርዝር ዋጋ መሊእኩም ኣብቲ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታሰ ብዝተዓሸገ ፖስታ አታዊ ክትገብሩ እትክእሉ

11 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 12/8/2018ዓም ዓም ዓም ከሳብ 28/8/2018ዓም ሰዓት 4:00 ኮይኑ ሳነዱቅ ጨረታ ዕለት 28/8/2018ዓም ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:15 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ብግልፂ ይክፈት

12 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 20 መዓልቲታት ይከዉን

13 አብዚ ወድድር ሰዓርቲ ዝኮኑ መቅረብቲ ናይ ስዓርዎ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእተዊ መክበሪ ብስፒኦ ብባንኪዝተረጋገፀ መአዘዚ ቼክ ከትሕዙ ይግባእ ድሕሪ ናይ ሰለሰተ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ

14 ኣብዚ ጨረታ ሰዓርቲ እትኮኑ ተወዳደርቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ፅሬት ዘለዎን ብመሰረት ቤት ፅሕፈትና ዘዳለዎ ረቆሓን ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ካልኦት ወፃኢታት ብምሽፋን ናብ ወረዳ ፅምብላ ገጠር ቤት ፅሕፈትና አምፂእኩም ክተረክቡ እትክእሉ

15 ቤት ፅሕፈትና አብ ነብሰ ወከፍ ዓይነት ንብረት 20 ሚእተዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ

16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914781384 0923303705