https://tenders.milkta.com/ti/display/19783

ንበዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2018 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፣

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 13, 2018 (24 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 30, 2018 8:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:7,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 1, 2018 9:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ምልክታ ጨረታ

ቁ ጨረታ.01/2018 /በጀት ዓመት

ንበዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2018 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፣ ዝምልከተኩም ትካላት በዚ ዝስዕብ ረቑሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ዝሐደሱን

2. ተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም ፣መለለዪ/ቲን/ ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገበን ምዃኖምን ናይ ጥሪ/2018 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ /ድክለሬሽን/መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡

3. ናይ ጨረታ መትሓዚ ብር =7,000.00 ብሲፕኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

4. ንዝተዳለወ ናይ ተጫረቲ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንሕድሕድ ደኩመንት ን ዘይምለስ ብር 100/ሓደ ሚኢት ብር/ ብምኽፋል ካብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶትክ/ትግራይ ደ/ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 4ን5ን ብምውሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላው እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 12/08/2018 ዓ/ም እስካብ ዕለት 30/08/2018 ኣብ ስራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታው ትወዳደሩ ትኽእሉ።

5. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/08/2018 ዓ/ም ስዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9.00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይኽፈት፣

6. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7. ብተጫረቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክውን ኣለዎ፡፡

8. ኣብ ዝቅርብ ደኩመንት ሕድሕድ ገፅ ክቢ ማሕተምን ፊርማን ክግበረሉ ኣለዎ፡፡ 9.ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን መራገፍን የቅርቡ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-40 18 75 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

NB ኣድራሻና ዓዲ ሓቂ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ህንፃ ይሓ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ጥቃ ዋና ቢሮ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ

ናይ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ

ተ.ቁዓይነት ንብረትመፍለይ ቁፅሪ /part Number/መዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋ
ብርሳ.
1ናይ መኪና ጎማ ብርጅስቶን ምስ ካላማደርያኡ (ጀማል)7.50/16 Rብቁፅሪ05
2ናይ መኪና ጎማ ብርጅስቶን ምስ ካላማደርያኡM755ብቁፅሪ05

ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን

ሽም------

ፊርማ--

ዕለት--