https://tenders.milkta.com/ti/display/19768

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ን2018 ዓ/ም በጀት ዓመት 08 መሕፀቢ ክዳን ላውንድርይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሚያዝያ 12, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 22, 2018 4:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 22, 2018 4:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ቁፅሪ ቃላ01/03/2 Y32026

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዕድጊት መሕፀቢ ክዳን /ላውንድርይ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ን2018 ዓ/ም በጀት ዓመት 08 መሕፀቢ ክዳን ላውንድርይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ተደላይ ረቃሒታት ዝርዝር ከምዝስዕብ ይኸውን

- ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ኩርብ ዝክኣል።

- ቲን ናምበር ምሰ ንግዲፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ክትሕዙ አለዎም።

- ዣት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ የካቲት ወርሒ 2018 ዓም ዲክላራስዮን ከቅርብ ዝክእል፡፡

- ናይ 2018 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል።

- ናይቲ ጨረታ መኽበሪ ሰነድ ብሰፒኦ (CPO) 50,000(ሓምሳ ሸሕ ቅርሺ) ከቕርቡ ዝኽእሉ።

- ኣብ መዘርዝር እስፐሲፍኬሽን ብዝቐረቡ ዝክእል።

- ኢዚ ጨረታ ሲዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3+ መዓልቲ ውዕል ኣሲሩ እቲ ንብረት አብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቕርብ ጥራሕ ከቕርብ ዝኽእል።

- እዚ ጨረታ ከመልእዎ ከለዉ እቲ ዋጋ ተመልአ ተገይሩ ይውሰድ።

- ሻቱ ምኻኑ ወይ ዘይምኻኑ ይሕብሩልና እንተዘይሓቢሮም ምስ ሻቱ ከም

- ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ።

- እቲ ጨረታ ቤት ትምህርትና 20 ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምውሳኽን ይክእል እዩ።

- ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር100.00(ሚእቲ ቅርሺ ጥራሕ) ብምኽፋል ኣብ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣብ ስራሕ ሰዓት ንጉሆ ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00ድሕሪ ሰዓት ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ 10፡00 ምውሳድ ይከኣል።

- ቤት/ት እቲ ጨሪታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

N.B

- እዚ ጨረታ | ዕለት 13/08/2018 ዓ.ም ክሳብ 22/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ታዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ኣዳራሽ ቃላሚኖ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0945-462700/0914763004 ደዊሉም ምሕታት ይከአል እዮ።