
ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ተጫረቲ ናይ መቅረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2018 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ኣትኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም።
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡
3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 07/08/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕነ ዕቋርን ኣ/ማ ጨነፈር ሓወለቲ ዘይምለስ ብር 1000 /ሓደ ሽሕ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣
4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ዘቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሖዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
6. ተጫረቲ ነቲ ዝተሓተተ ንበረት ብዝተዳለወ ስፔስፒካሽን መሰረት ከቅርቡ ይግባእ። ካብ እስፔስፒካሽን ወፃኢ ቅድመ ኩነት ምቕራብ ይኹን ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምቅራብ ኣይፍቀድን
7. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 13/08/2018 ዓ/ም ኮይኑ ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት።ተጫረቲ ብኣካል እንተዘየተረኸቡ እውን እቲ ሰነድ ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ሰነድ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።
8. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስርን ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና Unconditional Performance Bond/ ከትሕዝን ይግባእ።
9. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 8 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረን ብባንኪ ዝተረጋገፀ 10% ናይ ፅቡቕ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና ዘየቕረበ ሰዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ ምኽበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
10. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
11. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 313 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ።