https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19712

ቢሮ መሬት ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓም ነቲ ቢሮ ዝዉዕሉ ስፔር ፓርት : መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ካብ ሕጋወያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 6, 2018 (11 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 16, 2018 04:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ስፔር ፓርት 3000 ቅርሺ : መሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 15000 ቅርሺ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 16, 2018 04:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በዚ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ዘለዎምን ብግልፂ ዝረአ ቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

2 መለለይ ከፋሊ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎም ብግልፂ ዝረአ ቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘሎዎምን ከቅረቡ ዝክእሉ

4 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝኮኑን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈሉን ናይ ዝከፈልዎ ናይ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓም ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ብግልፂ ዝረአ ቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሐበራዊ ህንፃ ማለት እዉን ኮምፕሌክስ ህንፃ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 228 ካብ 1/8/2018 ዓም ክሳብ 16/8/2018 ዓም ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፅኡ ብምዉሳድ ክወዳደሩ ይክእሉ

6 ጨረታ ሰነድ ናብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ዝክእሉ

7 ተጫረቲ መከበሪ ዉሕስና ስፔር ፓርት 3000 ቅርሺ : መሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 15000 ቅርሺ ብግልፂ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ምቅራብ ዝክእሉ

8 እቲ ጨረታ 16/8/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ መሬት ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ሐበራዊ ህንፃ ማለት እዉን ኮምፕሌክስ ህንፃ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 228 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

9 ተጫራታይ ሰዓራይ ጨረታ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ አብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ከትሕዝ አለዎ

10 እቲ ቢሮ ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342405423