
1 ስለዚ ካብ 1/8/2018 ዓም ክስብ 16/8/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣብ ኮሌጅና ዳይሬክቶሪት ዳይሪክተር ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ምምዝጋብ ትክእሉ መሳርሒታት ፅሕፈት :ኤሌክትሮኒክስ : ንሆቴል ማናጅመንት ኣቅሑትን ዝተዳለወ ሰነድ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ከፊልኩም ብምዉሳድ ትክእሉ
2 ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ነነብይኑ ምስ ሰነድ መረዳእታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከትእትዉ ትክእሉ
3 ኮንትራክት ማለት እዉን ቁፅሪ ጨረታ ET tigray axum ease project
4 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኬት ከቅርቡ ዝክእሉ
5 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ንግዲ ስራሕ ከቅረቡ ዝክእሉ
6 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም ምስክር መዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከመእዉን ኣብ መቅረብቲ ፀብፃብ ግብሪ ናይ ዝሐለፈ የካቲት 2018 ዓም ፀብፃብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርቡ ዝክእሉ
7 መወዳደሪ ሐሳብ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ 1/8/2018 ዓም ክሳብ 16/8/2018 ዓም ፈፃሚ ዕድጊት ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ አክሱም ክበፅሕ አለዎ
8 እቲ ጨረታ 16/8/2018 ዓም ንጉሆ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት
9 ንግዲ ፍቃድ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግበሪ ፀብፃብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከመእዉን ዋጋ ዝተመልአሉ ሰነድ ብክልተ ቅዳሕ ኮይኑ ዋና ንበይኑ ኣብ ሐደ ፖስታ ክልተ ቅዳሕ ቀዳማይ ቅዳሕን ካልኣይ ቅዳሕን ተባሂሉ ነንበይኖም ብፖስታ ብምዕሻግ ሰለስቲኦም ፖስታታት ኣብ ሐደ ፖስታ ብምዕሻግ ስም ክታም ማህተምን ብምግባር ከቅረቡ አለዎም
10 ናይ ኣቅሑት መረከቢ ቦታ ዳይሬክቶሪት ዳይሬተር ዕድጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣከሱም ምምሕዳር ማይ ኩሖ ከይኑ ዕድጊት ከብ ዝተአዘዘሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 12 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ከረክብ ዝክእል
11 እቲ ኣቅራቢ ጠቅላላ ዋጋ ብኣሃዝን ብፊደልን ክፅሕፍ አለዎ
12 ብኣሃዝን ፊደልን ዝተፅዝተገለፀ ዋጋ ፍልልይ እንተሃለዩ እቲ ብፊደል ዝተገለፀ ተቀባልነት ይህልዎ
13 ተጫረቲ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ ዘየድሎም እንትከዉን ዝሰዓረ ኣካል ንዝሰዓሮ ንብረት ብእዋኑ እንተዘይአረኪቡ ብፊደራል ዕድጊት መምርሒ ቁፅሪ 649/2009 ኣድላይ ስጉምቲ ዝዉሰዶ ምካኑ ንሕብር
14 ተጫረቲ ንዉሕስና መከበሪ ጨረታ ንእሌክትሮኒክስ 20000 ቅርሺ : ንፅሕፈት መሳርሒ 2000 ቅርሺ : ንሆቴል ማናጅመንት 8000 ቅርሺ አብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ ጥራሕ ምስ ሰነድ ጨረታ ከቅርቡ አለዎም
15 ኮሌጅና ካብቲ ንጨረታ ዝቀረበ 20 ሚእታዊ ናይ መዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
16 ኮሌጅና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914774370 0979416627 0923454409