https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19704

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ አቅሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሚያዝያ 5, 2018 (11 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 15, 2018 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 15, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ አቅሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ጥሪ ወርሒ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ(CPO) ብር 20,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. ውፅኢት ጨረታ ዝገልፅ መአዚ ዕደጋ (Purchase order) ካብ ዝወሰደሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልእዎ ዋጋ መክበሪ ውዕሊ ብምቅራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውዕሊ ብዝንፀር መዓልቲ ከቕርብ ዝኽእል፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

8. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

10.ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ

ቑፅሪ 435 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

11. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

12. እዚ ጨረታ ዕለት 15/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት።