https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19650

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 24, 2018 (22 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 6, 2018 04:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:2000
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 6, 2018 04:35 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ዕድጊት መኪና/

ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ መቅረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2018 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃኖም መረዳእታ ክተቕርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 24/07/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 2000 /ክልተ ሽሕ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣ 

4. ናይ ጨረታ መኸበሪ ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

6. ተጫረቲ ነቲ ዝተሓተተ ንብረት ዝተዳለወ ስፔስፒካሽን መሰረት ከቅርቡ ይግባእ። ካብ እስፔስፒካሽን ወፃኢ ቅድመ ኩነት ምቕራብ ይኹን ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምቅራብ ኣይፍቀድን

7. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 6/08/2018 ዓ.ም ኮይኑ ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኽፈት። ተጫረቲ ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ሰነድ ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ሰነድ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።

8. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስርን ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃዕማ ውሕስና /unconditiona Performance bond/ ከትሕዝን ይግባእ።

9. በቲ ኣብ ተራ ቁዕሪ 8 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረን ብባንኪ ዝተረጋገፀ 10% ናይ ፅቡቕ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና ዘየቕረበ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ 2%ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

10. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 313 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ