https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19560

ኮሌጅ ፖሊስ ትግራይ ዝተፈላለዩ ናይ ኮስተር ዝዓይነታ መኪና ሞዴል HZB50 ዝኾነት ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 14, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 16, 2018 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 17, 2018 03:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ፕሮፎርማ

ኮሌጅ ፖሊስ ትግራይ ዝተፈላለዩ ናይ ኮስተር ዝዓይነታ መኪና ሞዴል HZB50 ዝኾነት ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም ።

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝኽእሉ ረቛሒታት

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል ።

2. ናይ 2018 ዓ/ም መቕረባይነት ፍቓድ ዘለዎን ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል ።

3. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ /ቲን ናምበር /ዘለዎን ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል ።

4. ተወዳደርቲ ነጋዶ ዘቕርብዎ ደረሰይ ሕጋዊ ክኸዉን ኣለዎ ።

5. ተወዳደርቲ ኣብ ዝመልእዎ ዕሽግ ፖስታ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ሽም ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ

ዝኽእሉ ።

6. ተወዳደርቲ ንዘሸንፍዎ ንብረትኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ ናብ ኮሌጅ ፖሊስ ትግራይ ንብረት ክፍሊ ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዚ ከቕርቡ ዝኽእሉ ።

7. ኮሌጅ ፖሊስ ትግራይ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፊል ኮነ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ።

8. ሐዚ እንርከበሉ ቦታ ኮሌጅ ፖሊስ ትግራይ ክፍሊ ፋይናንስን ዕደጋን ቢሮ ዝኽፈት ይኸዉን።

9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914018514 ደዊልኹም ምሕታት ትኽእሉ ምዃንኩም ክንገልፀልኩም ንፈቱ ።