
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ Ada ገባሪ ሰናይ ትካል ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ዝዋሃብ ቀለብ ቓዊት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
➢ በቲ ዘርፈ VAT ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ጥራሕ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 19 /03/2026 ኣፈ ክሳብ ዕለት 27/03/ 2026 ኣፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸኣሉ።
➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 27 /03/2026 ኣ ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ (local time) ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ
ምስ ሰላምታ
Mekelle, Tigray, Ethiopia P.O. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Email [email protected]