
1 እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ብናይ ሓፂን መፂን ስራሕቲ ዝተሐደሰ ናይ 2018 ዓም ንግዲ ፍቃድን ናይ መቅረባይ ካርድን መለለይ ቁፅሪን ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መቅረብቲ ክትወዳደሩ ንዕድም
2 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም መቀረብቲ ክትሳተፉ ንዕድም
3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን ሪፖርት ኣታዊ ዝገብርክምሉ ክሳብ 30/6/2018 ዓም ዘፍልጠሉ መረዳእታ ዘተሓሓዝ
4 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ሰነድ ጨረታ ንተጫረቲ ዝሸየጠሉ ግዜ ካብ ዕለት 1/7/2018 ዓም ክስብ 21/7/2018 ዓም ሰዓት 11:30 ናይ ኣጋ ምሸተ ኣበ ዘሉ ግዜ ሰነድ ጨረታ ተሸይጡ ይዉዳእ
5 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉን ዝክፈተሉን ዕለት 22/7/2018 ዓም ሰዓት 5:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ዝተሸጠ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋና ምስ ኮፒ ነንበይኑ ተፈላልዩ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ልመዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ዝረከብ ሳጡን ጨረታ ዝኣትዉ ኮይኑ
6 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 5:30 ናይ ንጉሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይከፈት
7 መከበሪ ጨረታ መሸጢ ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ዝርዝር መዓቀኒ ተቀሚጡ ይርከብ
8 ኣድላይቲ ዝበሉ ሐበሬታት እዉን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር መዓቀኒ ተቀሚጡ ስለ ዘሎ ካብኡ ኣንቢብከም ምርዳእ ትክእሉ
9 ብጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲ ንዝሰዓርክምዎ ታቤላታት ሰሪሕኩም አፅሒፍኩም አጎዓዒዝኩም ብናይ ባዕለኩም መፅዓንን መራገፍን መጎዓዝያን ወፃኢን ሸፊንኩም ናብ ዝተነፀረ መራገፊ ጣብያታት ናብ 16 ጣብያታት ፍሉይ ቦታ ናብ 36 ሳይትታት ሰሪሑን ፅሒፉን አጎዓዒዙ ተኪሉ ብምርካብ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ወዲእኩም ተረክቡ አለኩም
10 ቤት ፅሕፈትና በቲ ዘዉፀኦ ጨረታ መሰረት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ኣብዚ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ መብራርጂ ክሓቱ ዝደለየ መቅረባይ 0914376030 0920862685