https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19492

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕሉ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 4, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 9, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 9, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕሉ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ። ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም ፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

5. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቕርብ ዝኽእል። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እቲ ዝድለ ዓይነት ንብረት እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም ።

6. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

7. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

8. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

9. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 9/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡