https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19478

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣብ ወረዳ ቆላ ተንቤንን ናዕዴርን ናይ ዝርከቡ መንገድታት ናይ መንገዲ ዲዛይን (Detail Engineering Design Tender Document Preparation and Contract Administration) ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ምስራሕ ስለዝርከብ ነቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ፕሮጀክትታት ኣብ ኣማኽርቲ መፅናዕቲ ገምጋም ፅልዋ ከባብያውን ማሕበራውን ካብ ዝሰርሑ ፍቓድ ዘለዎም መማኸርቲ ትካላት በቲ ዝቐረበ ዝርዝር ስራሕ መሰረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 3, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 7, 2018 04:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 7, 2018 04:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኢንጅነሪንግ ዝዛመድ ኮንሳልታንሲይ/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣብ ወረዳ ቆላ ተንቤንን ናዕዴርን ናይ ዝርከቡ መንገድታት፦

1. ሽሉም እምኒ-ገረብ ግባ

2. ላዕላይ ሕዱግ ፀቢበ-ፃዕዳተ-ዳግና

3. ዳዕሮ ሓፋሽ ዓዲ ሰራዋት-ፃዕዳት

ናይ መንገዲ ዲዛይን (Detail Engineering Design Tender Document Preparation and Contract Administration) ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ምስራሕ ስለዝርከብ ነቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ፕሮጀክትታት ኣብ ኣማኽርቲ መፅናዕቲ ገምጋም ፅልዋ ከባብያውን ማሕበራውን ካብ ዝሰርሑ ፍቓድ ዘለዎም መማኸርቲ ትካላት በቲ ዝቐረበ ዝርዝር ስራሕ መሰረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒን IN ሰርትፊኬትን ክተቕርቡ እትኽእሉ።

2. ቫት ተመዝገብቲ እንተኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ።

4. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ የገልግል፡

5. ዝተአዘዘ ስራሕ አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ኣብ ውሽጢ 7' መዓልቲ ሰሪሖም የረክቡ፡፡

6. ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ 03/07/2018 ክሳብ 7/7/2018 ዓ/ም ስዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ይኸውን።

7. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914-752718 ወይም ብኣካል ብምምፃእ ዓዲ ሓ ጥቓ ገነት መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ትካልና ምርካብ ይከኣል እዩ፡፡