https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19464

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንናይ ኮሌጅና መእከቢ ኣዳራሽ ፣ ናይ ላቭ ክላሳትን መሳኹትን ዝኾኑ መጋረጃታት ምስ መስፈይኡ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 2, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 7, 2018 03:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 7, 2018 03:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: መጋረጃን ምንፃፍን/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/1487/18

ዕለት 02/07/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 07/2018

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንናይ ኮሌጅና መእከቢ ኣዳራሽ ፣ ናይ ላቭ ክላሳትን መሳኹትን ዝኾኑ መጋረጃታት ምስ መስፈይኡ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም፡፡

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /IIN No / ዘለኩም፡፡

3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩም፡፡

4/ 3% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል ።

5/ ዝቐርቡ ናይ ፕሮፎርማ መወዳደሪ ሰነዳት ብደምቢ ዝንበቡን ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ክኾኑ ኣለዎም።

6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ኮሌጅና ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምም/ን ቢሮ ቑፅሪ 08 ካብ ዕለት 02/07/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 04/07/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ትኽእሉ።

7/ እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 07/07/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ፅ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኸፈት። ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለትን ስዓትን ናይ ምርካብ መሰልኩም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

8/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ስዓራይ ዝኾነ ተጫራቲ ቅድሚ ምስፋይ ምጅማሩ ናብ ኮሌጅና ብኣካል ብምምፃእ እቶም መጋረጃ ዘድልዮም ቦታታት ዓቂኑ ዝኸይድ ይኸውን ። እቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማ ኣቕሚጥናዮ ዘለና ዓቐናት ንመበገሲ ዝጠቅም እምበር ውዱእ ነገር ከምዘይኮነ ነፍልጥ።

8/ ስዓራይ ምስተፈልጠ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት

መዓልታት ብምስፋይ ብናይ ባዕሉ መጉዓዝያ ናብ ኮሌጅና ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

9/ ኮሌጅና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

10/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 7 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ።

11/ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተቐመጠ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ኣይፍቀድን።

12/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኸእሉ።