
ጨረታ ምልክታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኲሓ ንዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ክ/ከተማና ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ጎማ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት/መዐቀንታት እተማልኡ ተረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም።
1. ናይ 2018ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰን ግብሪ ዝኸፈለን ክኸውን ኣለዎ።
2. መለለይ ግብሪ ቁፅሪ/ቲን ናምበር ከቅርብ ዝኽእል።
3. ናይ 2018 ዓ/ም መቅረብቲ ምዝገባ መለለዪ ዝተሓደሰ ካርዲ ከቅርብ ዝኽእል።
4- ጨረታ ምልከታ ካብ ዝውፀለ ዕለት 01/07/2018 ክሳብ 10/07/2018 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 11/07/2018 ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ብምግባር ሰዓት 4፡00 ተዓሽጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫራታይ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።
5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ 3000.00 ፣ ብናይ ስፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥራ ገንዘብ ናብ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 1000539477424 ኣታዊ ብምግባር ናይ ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብ 150 ዘይምለስ ይኸውን።
6. ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ነንበይኑ ብምእሻግ ኦርጅናል ኣብ ሓደ ፖስታ፣ኮቲ ኣብ ካሊእ ፖስታ ብምእሻግ ኣብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ምእታው ይካኣል
27 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ስነስርዓት ምኸፋት ጨረታ ኣይተዓናቐፍን ወይ ከይተኸፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን።
8.ናይ ተጫረቲ ሽም፣ ኣድራሻ፣ስልኪ ቁፅሪ፣ፊርማን ማሕተምን ክዓርፎ ኣለዎ።
9. ተጫራቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ሕጋዊ ውዕሊ ክኣስርን ናይ ውዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ክትሕ ዝኸእል።
10.ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20%ናይ ምውሳክን ምቕናስን መሰለ ሕለው እዩ።
12. ኩሎም ዕድጊታትና በቲ ዝወፁ ስፐስፍኬሽን መሰረት ከቕርብ ዝክእል ክኸውን ኣለዎ።
13. ትራንስፖርት ዝምልከት ባዕሉ ሰዓራይ ኣካል ዝሽፍን ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ እቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ክገብሩን ኣለዎም። 14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብከፊል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሎ ሕለው እዩ።
15. ኣድራሻ ሊባኖስ ኮለጅ ዝነበረ
16. ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914888930 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።