https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19429

ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝረክበ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረትን ፋይናንስን ቤት ፅሕፈት አጠቃቅማ ምምሕዳርን ምርግጋፅ ትሕዝቶ መሬትን ካደስተርን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሰርቨር መሉ ፓኬጅ ሲሰተም ሰራሕቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 28, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 8, 2018 04:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:120000
  • ቦታ:ሽረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:2500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 8, 2018 05:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎን ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ደብረት ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

3 ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

5 ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20/6//2018 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 7/7/2018 ዓም ካብ ሰዓት 2:30 ጀሚሩ ክሳብ 11:30 ኣብ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 12 ዘይመለስ ብር 2500 ብር እነዳከፈሉ ክወስዱ ይክእሉ

6 ናይ ቴክኒካል ስርቨር ስራሕቲ ጨረታ ዕለት 8/7/2018 ዓም ሰዓት 4:30 ተዓፀዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዝተረከብሉ ይከፈት

7 እቲ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት ኣማሊኡ እንተተረኪቡ በዘይለዉሉን ምክፋት ዝዓግት ነገር የለን

8 መክበሪ ጨረታ ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ሲሰተምን ስራሕቲ 120000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ብስፒኦ ጥራሕ የትሕዝ

9 ናይ ሰርቨር መክበሪ ጨረታ ኣብ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ዘአትዉ ይከዉን ኣብ ፋይናንሻል ዝአትዉ ግን ዉድቂ ይግበር ወይ ተቀባልነት ኣይልዎን

10 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ክከዉን ይግባእ እንተኮይኑ ድማ አብ መወዳደሪ ዋጋ ናይ ባዕሎም ወይ ወኪል ፊርማ ማሀትምነ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ድማ ማሀተም ትካሎም ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ እዚ ዘይገብር ተወዳደሪ ግን ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከዉን ክፍልጥ አለዎ

11 ናይ ሰርቨር መሉእ ፓክጅ ሲሰተም ጥራሕ ንምስራሕ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነዳት ክተሓሐዙ አለዎም

12 ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ሲሰተም ስራሕ ምስራሕ ቴክኒክ ደኩመንት ጥራሕ ኣብቲ ዕለት ዝክፈት ይከዉን

13 ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ሲሰተም ስራሕ ንምስራሕ ቴክኒካል ሐደ ኦርጅናል ክልተ ኮፒን ከዳልዉ ይግባእ

14 ፋይንሻል እዉን ሐደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒን ከደልዉ ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ስራሕ ንምስራሕ ቴክኒካል ምስተወደአ ናብ ፋይናንሻል ዝሐልፉ ተወዳደርቲ ጥራሕ ፋይናንሻል ዝክፈት ይከዉን

15 ናይ ሰርቨር መሉእ ፓኬጅ ሲሰትም ንምስራሕ ብቅዓት መረጋገፂ ስራሕ ልምዲ ምስክር ወረቀት ከተሓሕዙ ዝክእሉ

16 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እንተናአሰ ን30 መዓልቲ ዝፀንዐ ይከዉን

17 ትካልና እዚ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ