
1 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ክኮኑ አለዎም
2 ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘቅርቡ
3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም
4 በቲ መምርሒ ናይ 2018 ፍቃድ ንግዲ ዝተሐደሰ ዘለዎም
5 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ
6 አብ ከይዲ ጨረታ ከጭበርብር ዝመኮረ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝከዉን ኣብ ቀፃሊ ጨረታ መንግስቲ ከይሳተፍ ከምዝግበር ዝትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ከምዝዉረስ ፈሊጦም ስርዓት ጨረታ ኣክቢሮም ክወዳደሩ ዝክእሉ
7 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ናይ ስነድ ዋጋ ብምክፋል ካብ ዝተቃለሐሉ 25/6/2018 ዓም ክሳብ 14/7/2018 ዓም ን20 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዝተገለፀ ናይ ጨረታ መዓልቲ ሰዓት ይዕፀዉ
8 እቲ ጨረታ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 14/7/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ብኣካል ወይድማ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ እቲ ጨረታ ዝክፈት ኮይኑ ድሕሪ 5 ናይ ስራ መዓልቲ ዉዕሊ ዝእሰረሉ ይከዉን
9 መከበሪ አፈፃፅማ ስራሕ ፕረፎርማ ፐርፎርማንስ ቦንድ ናይ ዝስዓርዎ ድምር ዋጋ ከትሕዙ ዝክእሉ
10 እዚ ሰነድ ዝሸየጠሉን ዝክፈተሉን ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት አገልግሎት ማይ ከተማ የጭላ ይክፈት
11 ተጫረቲ ዝመለክምዉ ዋጋ ማዕረ እንተኮይኑ እቲ ንብረት ብማዕረ ተማቂሎም ዝወስዱ ምካኖም
12 እቲ ናይ ጨረታ ዋጋ እንተናአሰ 25 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይከዉን
13 መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ጥራሕ ኮይኑ ከሳብ ዉዕሊ ዝእሰር ዝፀንሕ ኮይኑ ዉዕሊ ምስኣሰሩ መከበሪ ናይ ስራሕ ማለት ፕረፎርማንስ ቦንድ 10 ሚእታዊ ምስ ኣትሓዙ ዝልቀቅ ይከዉን
14 ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ብናይቲ ትካል ላዕለዋይ ሓላፊ ተፈሪሙ ማህተም ዓሪፍዎ ምስ ምሉእ ኣድራሽኡ ይቀርብ
15 እቲ ቤት ፅሕፈት ሰዓራይ ምስፈለጠ መጠን ዝገዝኦ ንብረት ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
16 ሰዓራይ ንዝቅርቦ ንብረት ክሳብ 3 ወርሒ ዉሕስና ክህብ ዝክእል
17 ሰዓራይ ጨረታ ዝኮነ ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈት አገልግሎት ማይ ከተማ የጭላ ኣታዊ ዝገብር
18 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ