https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19412

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ ኣፅቢ እ ስላሴ ን2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕሉ ስራሕቲ ጣውላ (ፈሪንቸሪ) ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 27, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 15, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ኣፅቢ ወንበርታ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 15, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ ኣፅቢ እ ስላሴ ን2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕሉ

1.ስራሕቲ ጣውላ (ፈሪንቸሪ)

ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒ

እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡-

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1) ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብን

2) Tin Number ዘለዎን ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

3) ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክከውን ኣለዎ።

4) ናይ ጨረታ መኽበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ንስራሕቲ ጣውላ(ፈሪንቸሪ) 10,000 ብር /ዓሰርተ ሽሕ/ ብር ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝክእል፡፡

5) ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ኣፅቢ ኣብ ጥቃ ኢ/ያ ንግዲ ባንክ ኮይኑ ቢሮ ቁፅሪ 02 ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ዘይምለስ 200.00/ክልተ ሚኢቲ ብር/ከፊልኩም ትወስዱ።

6) ተጫራታይ ነጋዶ እቲ ዓይነት ንብረት ብንፁር በቲ ዝወፀ እስፔስፊኬሽን ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ዝተኣሸገ ፖስታ መሊኡ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ዓሺጎም ኦርጂናልን ፎቶ ኮፒን ተባሂሉ ኣብ ፖስታ ይፀሓፍ።

7) እቲ ጭረታ ብዝተፋላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጭረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሓዝዎ ትሕጃ ናብ ቤት ፅሕፈት ካዝና አታዊ ብምግባር ንቀፃላይ ከይሳተፉ ይገብር ።

8) ተጫራቲ ድሕሪ እቲ ናይ ጨረታ ሳፁን ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ይከውን።

9) ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ኦርጅናልን ኮፒን ዶኩመንት ኣብ ዝባን ዝተዓሸገ ፖስታ ሽም፣ ፊርማ ማህተምን ስ/ቁፅርን ከስፍሩ ኣለዎም።

10) ኣብ ዝወዳደርሉ ዝተዳለወ ሰነድ ናይ ሓደ ዋጋ ብምምላእ ሕድሕድ ገፅ ማሕተምን ፊርማን ብምቕማጥ ናይ ባዕልኻ እስፔስፊኬሽን ምፅሓፍን ምምላእን ኣይፍቀድን።

11) ቤት ፅሕፈትና 25% ናይቲ ዝተስዓረ ንብረት መጠን ናይ ምውሳከን ምቅናስን መሰል ኣለዎ።

12) ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30ማዓልቲ ይከውን ።

13) እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

14) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 27/06/2018 ዓ/ም ክሳብ 15/07/2018 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት

15) እቲ ጨረታ ዕለት 15/07/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 08፡30 ተዓፅዩ ዕለት 15/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 09፡00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

16) ኣብቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቀሰ ሰዓት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተዘይ ተረኪቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

17) ዘሸነፈ ተጫራታይ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ አብ ውሽጢ 7ተ ማዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ኣታዊ ይገብር፡፡

18) ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተረጋገፀ ድሕሪ ናይ ቅሬታ 3ተ ማዓልቲ _ ኣብ ውሽጢ3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእልን ናይቲ ዝሰዓሮ መጠን ገንዘብ 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ/CPO/ ከትሕዝ ዝኸእል ፡፡

19)ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914161243 /0914411872 ምሕታት ይካኣል እዩ።