
ቑፅሪ -ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር
ዕለት 25/06/2018 ዓ/ም
ም ል ክ ታ ጨ ረ ታ
ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨው ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል : ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ናይ ማይ ብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንዘሟልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ከጫርት ይዕድም።
1. ቫት ተመዝገብቲ ክትጫረቱ ትኽእሉ።
2. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈለን መረጋገፂ ዘቕረበ።
3. ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ቲን ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ።
4. ናይቶም ንብረት ዝርዝሮ ጨረታ ሰነድ ዝሓዘ ንምውሳድ ዘይምለስ ብር 150.00/ ሓደ ሚኢቲን ሓምሳ ብር/ ብምኽፋል ካብ ዕለት 25/06/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ ‹‹1›› ብምውሳድ ዋንኡን ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ምእሻግ ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ማሕተምን ብምዕራፍ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ይክኣል።
5. ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን፡ ብስክርቢቶ እምበር ብእርሳስ ክፅሓፍ የብሉን።
6. ጨረታ ተጠቂዑ ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 25/06/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 9/07/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡00 ይኸውን፡
7. እቲ ጨረታ ዕለት9/07/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡10 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3፡20 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ይኸፈት
8. ኣብቲ ጨረታ እዋን ንምርካብ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ተጫራቲ ብቁዕ ምኽንያት ኣቐዲሙ እንተቕሪቡን ናይ ጨረታ ረቋሒታት ኣሟሊኡ እንተሊኢኹን ክኸፈት ይኽእል።
9. ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ብር 10000/ዓሰርተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO የትሕዙ፡
10. ተጫረቲ ናይ ዝስዓርዎ ንብረት ጠቕላላ ዋጋ 10% መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ።
11. ስዓርቲ ተጫረቲ ዝስዓርዎ ንብረት ውዕሊ ብምእሳር ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይ ከተማ ማይጨው ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ፡
12. ተጫረቲ ዝስዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እቲ ውዕሊ ዝኣሰርዎ መዓልቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣታዊ እንተዘይገብሩ ንመኽበሪ ውዕሊ ዘትሐዝዎ ገንዘብ ብቕፅዓት ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግበር።
13. ክፍሊት ብዝምልከት ድማ ንብረት ምስ ኣረከቡ ሒሳቦም ሙሉእ ብሙሉእ ብሓደ ግዜ ይኽፈል።
14. ኣብ ዝቐርብ ንብረት ወካሊ መርአያ ወይ ሳመፕል ከቕርብ ኣለዎ፡፡
15. ቤት ፅሕፈትና ተጫረቲ ኦርጅናል ዘይኾነ ንብረት እንተቕሪቦም ናይ ምምላስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
16. ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
17. እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምውሳኽ ናይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ።
18. ጨረታ ንምዝባዕን ንምርባሽን ዝፈተነ እቲ ቤት ፅሕፈት ብቐጥታ ካብ ጨረታ የባርር እዩ።
19. ተወዳደርቲ ድሕሪ ምሽናፎም ጨረታ ጥርዓን ናይ ምቕራብ መሰሎም ዝተሓለወ ምዃኑ፡
20. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 09-53-17-67-49 ወይ ከዓ 03-47-77-12-76 ኹሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ምሕታት ይክኣል።