https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16910

ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 04 ብልዕሊ መስግድ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ጠቅላላ ስፍሓቱ 246 ካ/ሜትር ዝኮነ 4ተ ገዛውትን ዙሪያ መካበቢያን ዘለዎ ሽንት ቤት ዝተደብደቦን ገዛን ቦታን ክሽወጥ ኣዚዙ ኣሎ::

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 26, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 28, 2017 04:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 28, 2017 06:00 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ገዛ/ህንፃ ሓራጅ/

መ/ቁ 3878

ምልክታ ጨረታ

ኣፈ/ኸሳሲት፦ ወ/ሮ ሰለማዊት ሓጎስ ኣ/ሻ ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 04

ኣፈ/ተኸሳሲ፦ ኣይተ ጥዑም በርሀ ኣ/ሻ ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 04

መንጎ ዘሎ ናይ ኣፈፃፀም ክርክር መበገሲ ዝኮነ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 04 ብልዕሊ መስግድ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ብድሕሪ ገዛውቲ በር ኣግኣዛዊያን ዝወርድ መሰቀለኛ ቦታ ዝርከብ ኣዋሳንኡ፦

ብምብራቕ፦ መንገዲብምዕራብ ሎታ:- ቁፅሪ 1122
ብሰሜን ፦ ሎታ ቁፅሪ 1125ብደቡብ፦ መንገዲ


ዝዋሰን ጠቅላላ ስፍሓቱ 246 ካ/ሜትር ዝኮነ 4ተ ገዛውትን ዙሪያ መካበቢያን ዘለዎ ሽንት ቤት ዝተደብደቦን ገዛን ቦታን ፤ ናይ ጨረታ መከበሪ ብር 30,000( ሰላሳ ሽሕ) ኣብቲ ቦታ ንዝስየም ናይ ጨረታ ኮሜቴ ከትሕዝ ዝክእል ፣ ናይ ጨረታ ኣሸናፊ ምስ ኮነ ድማ እቲ ዘሸነፈሉ መጠን ገንዘብ በቲ ዕለት ድሕሪ ሰዓት ቐሪቡ ክኸፍል ዝክእል ፣ ክጫረት ዝደሊ ዝኾነ ይኩን ሰብ እንተሃልዩ ብመበገሲ ዋጋ እንተይተገደደ ብዕለ 17/08/2017ዓ/ም እቲ ገዛ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ብኣካል ቐሪቡ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ብምስዳድ ካብ ሰዓት 4:00 ናይ ንጎሆ ክሳዕ ሰዓት 6:00 ናይ ቐትሪ ንክጫረት ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲግራት ኣዚዙ ኣሎ።

ከተማ ዓዲግራት ቤት ፍርዲ